ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ባይቶ ወከልቲ ሆላንድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ንኢዱ፡ መንግስቲ ንግስነት ኔዝርላንድስ ኣብቲ ውሳነታት ሓጋጊ ኣካል ናይታ ሃገር ተመስሪቱ ተሪር ስጉምቲ ንክወስድ ዘለዎ ልዑል ትጽቢት ገሊጹ።
ነዚ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ዝምልከት መዘክር ሰደህኤ ብ8 ሰነ 2016 እዩ ናብ ኣፈኛ ናይቲ ባይቶ ተወከልቲ ወይዘሮ ካድጃህ ኣሪብ (ኣባል ለበር ፓርቲ) ተላኢኹ። ከምኡ እውን ናይዚ መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ኩሎም ኣፈኛታት ደገፍቲ ሰልፍታት ሆላድ፡ ከምኡ’ውን ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ በርት ኮየንደርስ ናብቲ መንግስቲ ተላኢኹ።
እዚ መዘክር፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ኣካላትን እቲ ባይቶ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግምት ምእታዉ ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ፡ እዚ ውሳነታት ብዘገምታዊ ኮይኑ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ መስርሕ ለውጢ ኣበርክቶ ከም ዘህልዎ ኣረጋጊጹ።
ሰደህኤ ኣብቲ መዘክሩ ብመሰረት እቲ ናይ ባይቶ ተወክልቲ ውሳነ፡ ኣብ ደገ ይሃልዉ ኣብ ወጻኢ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ክትግብሮም ኢሉ ካብ ዝጽበዮም እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስፊሩ።