ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ሓው ኣሰፋው በርሀ (ኣባል ማእከላይ ባይቶ)፥ ሓወ ሃይለ ወልዱን (ኣባል ማእከላይ ባይቶ) ሓው ሓሚድ ድራርን ዝኣባላቱ ልኡኽ፡ ብ30 ጥሪ 2015 ኣብ ከተማ ሊድስ፤ ብ31 ጥሪ 2015 ድማ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ክፉት ህዝባዊ ኣኼባታት ኣካይዱ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓው ጐይትኦም መብራህቱ ሓው ዘርእሰላሰ ረድኢ ኣብ ኣኼባ ከተማ ሊድስ
ኣብ ሊድስ ኣብ እተኻየደ ኣኺባ፡ ናይ እንቁዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋናን መልእኽቲ ዘቕረበ፡ ኣብ ምድላው ናይ’ቲ ኣኼባ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ሓው ዘርእሰላሰ ረድኢ ኢዩ። ብድሕሪኡ ሓው ጐይትኦም መብራሕቱ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብሪጣንያ እውን ንኣኼበኛታት ዕድመ ሰልፊ ኣኽቢሮም ብምምጻኦም ደጊሙ ድሕሪ ምምስጋን ኣጀንዳ ኣኼባ ሓቢሩ።
ኣኼበኛታት ኣብ ከተማ ሊድስ
ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከኣ፡ ሓው ሓምድ ድራር፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋናን መልእኽቲ ብምቕራብ ኢዩ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ኣኼባ በርሚንግሃም ብኽልቲኡ ወግዓዊ ቋንቋታት ኤርትራ ኢዩ ተኻይዱ።
ኣብ’ዞም ኣኼባታታት እዚኣቶም ዝተዘርበሎም ዛዕባታት፡ ካልኣይ ውድባዊ ጕባኤ ዘሕለፎም ውሳኔታት፡ ንጥፈታት ሰልፊ ድሕሪ ጕባኤ ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ እቶም ንሓባራዊ ስርሓትን ሓድነትን ዝምልከቱ ጕዳያት ነበሩ። ገለ ካብኦም ከም ኣብነት ንምጥቃስ ፈስቲቫል 2015፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መዳይ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባውን ማሕበራውን መዳያት ዘካየዶም ንጥፈታት፡ ርክብ ሰዲህኤ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት፡ ተሓኤን ሰዲኤን፡ ዓወደ ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ፍራንክፈርት፡ ምምኽኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ከንያን ህዝባዊ ምጥርናፋትን ዝብሉ ይርከብዎም።
ሓው ኣሰፋው በርሀ መብርሂ እናሃበ እንከሎ
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንውሳኔታት ጕባኤ ብዝምልከት ሰልፊ ንተራ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ንምዕባይ ብዓቢ ትዅረት ክሰርሓሉ ከም ዝወሰነ ጠቒሱ። ንሕቶ ሓባራዊ ስራሕ ኣመልኪቱ ከኣ፥ ጕባኤ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ክጸናበሩ፤ ዝተፈላለየ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ድማ ኣብ ናይ ቀረባ ዕላማታት ሓቢሮም ክሰርሑ መትከላዊ እምነት ሰልፊ ኢዩ ኢሉ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ምስ ብዙሓት ውድባትን ሰልፍታትን ክራኸብ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ። ኣብ ዎርክሾፕ ፍራንክፈርትን ምምኽኻራዊ ዋዕላ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ከንያን እውን ዓላማኡ ምስ ሕቶ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ዝዛመድ ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኡ።
ኣኼበኛታት ኣብ ከተማ በርሚንግሃም
ኣብ’ዚ ኣኼባታት እዚ ካብ እተላዕሉ ኣገደሲ ሕቶታት፦
መንእሰይ ኣብ ኣኼባ በርሚንግሃም እናሓተተ እንከሎ
ኣባላት ልኡኽ ሰልፊ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ተሓጋጊዞም ዝርዝር መልስታትን መብርህታትን ሂቦም። ንኣገደስቲ ብኣኼበኛታት ዝቐረቡሎም ለበዋታት ድማ ሰሚዖም።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ልኡኽ ሰልፊ ሒዝዎም ዝመጸ ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ሰልፊ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቪድዮ ፈስቲቫል 2015 ዘርጊሖም።