ሓው ጎይትኦም መብራህቱ ኣቦ መንበር ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምትሕልላፍን እቲ ኣዳራሽ ንሰለስተ ሰዓታት ዝኸውን ግዜ ክንጥቀመሉ ከምእንኽእልን ብምሕባር ኢዩ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ኣስዒቡ፡ ንሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣኼባ ክመርሕ ናብ መድረኽ ኣቕረቦ። ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ኣሕዋት ኣሰፋው በርሀን ሃይለ ወልዱን እውን ኣብ’ቲ ኣኼባ ተሳቲፎም ነይሮም።
ሓው ኣሰፋው በርሀን ሓምድ ድራርን ድማ፡ ነቲ ኣቦ መንበር ዝሃቦ መግለጺ ተወሳኺ ሓሳብን መብርህን ብምቕራብ ኣብ ምህብታሙ ዓቢ ግደ ኣበርኪቶም። ኣብ ርእስ’ዚ ሓው ሓምድ ድራር ነቲ ብትግርኛ ዝቐረበ መግልጺ ናብ ዓረብኛ ኣብ ምትርጓም ተወሳኺ ኣበርክቶ ገይሩ።
ኣቦ መንበር ሰልፊ፡ ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝምልከት ውሳኔታት ካልኣይ ጕባኤና ተመርኵሱ፡ ኣብ’ዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።
ኣኼበኛታት ንዝቐረበ መግለጺ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፡ ሃነጽቲ ሕቶታትን ርእይቶታን ብልዙብን ናይ ምርድዳእ መንፈስ ብዝዓሰሎ ኣገባብን ኣቕሪቦም። መራሕቲ ኣኼባ ድማ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታት ሂሞን ንርእይቶታትን ለበዋታትን ናይ ኣኼበኛታት ድማ ሰሚዖምን ተቐቢሎምን።
ብ25 ጥሪ 2016 ድማ ኣቦ መንበር ሰልፍን ሓው ጐይትኦም መብራህቱን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ፡ ብክብርቲ ባሮነስ ግሊኒስ ኪኖክ ተመሪሑ ኣብ ሓደ ካብ ኣዳራሻት ናይ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ኣኼባ “ንጕዳይ ኤርትራ ዝጣበቕ ኵሎ ፓርትታት ዝሓቍፍ ፓርላማዊ ጕጅለ” (All Party Parliamentary Group on Eritrea) ተኻፊሉ።
ህዝቢ ዝዓሰሎ ስሩዕ ቃልሲ ጥራይ እዩ ዝዕወት፡
ጨንፈር ሰ.ዴ.ህ.ኤ ዓባይ ብሪጣንያ
25/01/2016