Print this page

ኮሚሽን ምጽራይ ሕቡራት ሃገራት ንዘቕረቦ ጸብጻብ ንምድጋፍ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭ ንበገስ

2015-06-24 19:10:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2400 times
Rate this item
(1 Vote)

ብ26 ሰነ 2015 ኣብ ከተማ ጅነቭ፡ ስዊዘርላንድ፡ ብደለይቲ ፍትሒ ንኽካየድ ተመዲቡ ዘሎ ብኮሚሽን ምጽራይ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) 1000 ዩሮ ንኣዳለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣበርኪቱ ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ርእስ'ቲ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብውልቂ ዘበርክትዎ ዘለዉ ወፈያታት ኢዩ።

Geneve Demo 2015

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዝመርሖ፣ ሓው ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታት፣ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያትን ሓው ንጉሰ ጸጋይ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያትን ዝርከብዎ ልኡኽ ኣብ'ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክካፈል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 24 June 2015 21:15