Print this page

ዕደና ቢሻን ካልእ ቦታታት ኤርትራን ብ20 መጋቢት እተጠቕዐ ካብ ኢትዮጵያ ብዝተተኰሰ ሮኬት ምንባሩ ምንጪታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም

2015-04-02 21:24:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5189 times
Rate this item
(1 Vote)

2 ሚያዝያ 2015

እቲ ብ20 መጋቢት 2015 ኣብ ልዕሊ ቢሻን ካልኦት ቦታታትን ዝተተኰሰ ሮኬታት ካብ ትግራይ ዝተበገሰ ምዃኑ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ እሙናት ምንጪታት ሓቢሮም።

BishaMine

ብመሰረት'ቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምንጪታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቶም ዝተጠቕዑ ቦታታት፡ ናይ ቢሻ ዕደና፡ ኣብ ከባቢ ማይ ዕዳጋ፡ ኣብ መንጐ ትኹልን ውጡሕን ዝብሃላ ዓድታት ዝርከብ ወተሃደራዊ ትካል፣ ከምኡ'ውን፡ ብልክዕ ዘይተነጸረ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ዝርከብ ቦታ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ባረንቱ ዝተሃርመ ዕላማ ብዙሕ ጕድኣት ኣይወረዶን፡ ዕደና ቢሻ ቅልል ዝበለ ጕድኣት ክወርዶ እንከሎ፣ ወተሃደራዊ መኽዘን ማይ ዕዳጋ ግን ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ እቶም ምንጪታት ይሕብሩ።

እዚ ሓበሬታ'ዚ ሓቂ እንተደኣኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብግጉይ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ወሪዱ ዝጸንሐን ኣብ ጽድያ 2011 ኣብ ልዕሊ 3 ቦታታት ኣብ ኤርትራ ዝተደግመን ተወሳኺ ጥሕሰት ናይ ዶባትን ልዑላውነትን ናይ ኤርትራ ክኸውን ኢዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብሩህ ብዘይኰነ ምኽንያት፡ ነዚ ዜና'ዚ ክረጋግጾ ወይ ኣሉታ ክህበሉ ኣይተራእየን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ'ዚ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ተጠቒዐ ዝብል ኣካል እንተዘይሃልዩ፡ ንሕና ክንብሎ እንኽእል ነገር የለን" ኢሉ።

Last modified on Thursday, 02 April 2015 23:27