እቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ቀጻሊ ምድላው ክግበረሉ ዝጸንሐ ራብዓይ ምዱብ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብ23 ክሳብ 26 ሓምለ 2023 ኣብ ሃገረ ጀርመን ተቓኒዑ። እዚ ጉባአ በቲ ሓደ ወገን ውጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ኣብ ዝገደደሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዞባናን ኣህጉርናን ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸሉ እዩ ተኻይዱ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ እውን ጉዳይ ኤርትራ ከምዘይናቱ ጠንጢኑ፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ዶር ኣብይ ኣሕመድ ምርሓና” ዝብሎ ዝነብበረ፡ ሎሚ ድማ እነሆ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ሩሲያ ከይዱ፡ ንብዙሓት ተዓዘብቱ ብዘገረመ “ፕረሲደንት ፑቲን ይምረሓና” ብዝብል ናይ ዓለም ውግእን ህውከትን ክመጸሉ ኣብ ዝተማህለለሉ ቅነ እዩ ጉባአ ሰዲህኤ ተሳሊጡ።
ኣብ ርእሲዚ ፖለቲካዊ ምትሕልላኽ ጐረባብትና ሃገራት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኣብ ዝኾነሉ እዩ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ተኻይዱ። ብሰንክዚ ዘይርጉእ ኩነታት ጐረባብቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ብዙሓት እዮም። ብመንጽርዚ ሓላፍነት ሰዲህኤ ኣብ ጉባአኡን ድሕሪኡን ከቢድ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ኣብዚ ብኹለ-መዳያዊ ዘይሕለል ቃልስን ተወፋይነትን ኣባላቱ ተሰናዲኡ ዝተኻየደ ጉባአ፡ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ዝገበሮ ምንቅስቓስ በብመዳዩ ዝዳህሰሰ ጸብጻብ ቀሪቡ ድሕሪ ዓሚቕ ምይይጥ ጸዲቑ። ሰዲህኤ ንመጻኢ ዝምረሓሉ ኣገደስቲ ሰነዳት ከኣ ጸዲቑ። ናይዚ ጉባአ ምክያድ፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣይኮነ፡ ንቐጻሊ ቃልስን ዓወትን መንገዲ ዝጸርግን ሓደስቲ ዕድላትን ብደሆታትን ኣብ ግምት ዘእቱን ፍጻመ እዩ። ውጽኢት ጉባአ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ዝሕበንሉ ኮይኑ፡ ውሳነታታቱ ንምትግባር ንዝለዓለ ቃልስን ኣብ መስርሕ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዕንቅፋታት ንምብዳህን ብሓድሽ መንፈስ ሓላፍነት ወሲዶም ዝዳለውሉ መድረኽ እዩ።
ኣብዚ ጉባአ ብዘይካቲ ምጽዳቕ ቀወምቲ ሰነዳትን ምውጻእ ደምዳሚ መግለጽን፡ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝዳህሰሱ ፖለቲካዊ ውሳነታት እውን ተወሲኖም እዮም። በዚ ምሰረት ጉባአ፡
ጉባአ ውሳነታት ትውስነሉን መሪሕነት እትመርጸሉን መድረኽ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብርሲዚ ተግባራት ዝሓለፍካዮ እትግምግመሉን መጻኢኻ እትመዝነሉን ትምህርታዊ መድረኽ እውን እዩ። ስለዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ጉባአ ንምዕዋት ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ንምትግባሩ እውን ብፍላይ ምስዚ ኣብ ከባቢና ዝገሃድ ዘሎ ምዕባለታት፡ ድርብ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክዝንግዑ ኣይግባእን። ኣብዚ እጃም ናይቲ ኣብ ጉባአ ዝተመዘዘ መሪሕነት ዝለዓለን ኣብነታውን ክኸውን ይግበኦ።
ዘለናዮ ተሃዋሲ ኤርትራዊ ኩነታት ኮነ ዞባዊ ምዕባለታት፡ ብናይ ሓደ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ምንቅስቓስን ዝዕመም ኣይኮነን። ስለዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ተኸኣኢሎምን ቀዳምነቶም ኣነጺሮምን ፍልልያቶም ኣጻቢቦም ነቲ ዘራኽቦም ኣሕይሎም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ግዜ ከየባኸኑ ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ክኸቱ ይግበኦም። እዚ ኣብ መድረኽ ጉባአ እውን ዝተንጸባረቐ መጸዋዕታ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኑ፡ ንውጽኢት 4ይ ጉባኤኡ ከም መንጠሪ ንዝያዳ ቃልስን ዓወትን ብምጥቃም፡ ሰልፋዊ ዓቕሙ ብምድላብ ኮነ፡ ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ሓባር መድረኽ ንምሕያል ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዊ እዩ።