Print this page

ሕለ ዘይበልዎ፡ ክዳን ሓማቱ ይሓሊ

2022-04-30 08:16:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 957 times
Rate this item
(0 votes)

እሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ኢሳያሳ ክበጽሓ ዝኸኣለ ጐረቤት ሃገር ዘይተንኰሓ የለን። በብግዜኡ ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ገሊኡ ስቱር ገሊኡ ግሉጽ ወስታታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኣንጻርተን ብኣካል ዘየርከበለን እሞ ዝፈርሐን ሃገራት ከም ጸረ ሃገርነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ስኢሉ ኣንጻረን ብቐጻሊ ክቋየቕን ክራገምን ጸኒሑ  ክሳብ ሕጂ እውን ነዚ ኣገባብ ይቕጽሎ ኣሎ። ብፍላይ ንሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ገለ ሃገራት ምዕራብን  ዓረብን፡  ከም ቀወምቲ ጸላእቲ ወሲዱ ዝፈጸመኦን ዘይፈጸመኦን ጌጋታት ለጣጢፉ ኣብ ቀጻሊ ቆይቚ ኣሎ። ካብቲ መሰረታዊ መጻልኢኡ ምስ ምዕራባውያን፡ ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣቋሪጹ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክገብር ስለ ዝሓተተኦ ጥራይ  እዩ። ንጠለባተን ዘይምልሰሉ ምኽኒያት ከኣ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ወጻኢ ኣብ ስልጣን ዝቕጽለሉ ብልሓት ስለ ዘየብሉ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ካብዘን ሃገራት ዝደልዮ ረብሓ እንተልይዎ ናይ ቀረባ መሓዘአን  ክኸውን ድሕር ኣይብልን። ዝቐደመ ፍቕሩ ወዲኡ ዝምድናኡ ምስ ሓርፈፈ፡  ካለኦት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብኣተን ዝተጻለአን እንተቀረቡ ድማ ምድርን ሰማይን ከላግብ ይደሊ።

ኢሳያስ ኣብ ንእሽቶ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጥካ ምቕጻል ስለ ዘየዕገቦ ዝዓበየ  ንምርካብ ሃንቀው ካብ ምባል ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ብቐረባ ንምጅማር ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ቀላሲ፡ ተሰማዕን በዓል ሃብታም ተመኩሮን ክኢላን  መሲሉ ንምቕራብ ብብዙሕ መልክዓት ፈቲኑ። ኮይኑ ግን፡   ሓሳቡ ብመብዛሕተኦም መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓዳጊ ኣይረኸበን። ውሑዳት ከም ናቱ ዓይነት ሕልሚ ዘለዎም መራሕቲ ግና ዘብዘብ ክብልሉ ፈቲኖም ነይሮም። ድሕሪ 2018 ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ መቃድሾ፡ ጎንደርን ባህርዳርን ኮለል፡ ኣብ በዓል ኤመረትስ ከይዱ ትሕዝቶኡ ዘይፍለጥን ዘይትካላውን ስምምዓት ምፍርራሙ ከኣ ነዚ ብንጹር ዘርኢ እዩ። እንተኾነ ኢሳያስን ጉጅለኡን ዘንቀድዎ  ዘዐውት ባህርያት ስለዘይብሉ ሕልሚ ኮይኑ በኒኑ። ሕጂ ከኣ ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቘናደፍ” ዝበሃል ግዲ ኮይንዎ፡ ኣርሒቑ ናብ ሩሲያን ቻይናን በቲ ልሙድ ወጽዓን ወራርን ዝድግፍ መርገጺኡ የመዓዱ ኣሎ።

እዚ  ጉጅለዚ ውድቀትካ ተቐቢልካ ካብኡ ናይ ምምሃር ናይ ባህሪ የብሉን። ብኣንጻሩ ንሓደ ውድቀት ብኻልእ ውድቀት ክፈትሕ ናይ ምፍታን ዝፈሸለሉ መንገዲ መሪጹ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተቐባልነት ንምርካብ ዝሓለሞ ውጽኢት ኣይረኸበን። ከምቲ “ባዕልኻ ዝዀዓትካያ ጉድጓድ ባዕልኻ ትኣትዋ” ዝበሃል፡ እቲ ዓብዪ   ሕልሚ ተቐባልነት መኺኑ ናብ ከቢድ ክሳራ ይቕየር ይኸውን። ድሕሪዚ ናብታ መጻወቲት ካርታኡ ተመሊሱ  ምሂዝዎ ዘሎ ከኣ ከምቲ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ዝፈተኖ ግናኸኣ ዝፈሸለሉ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ጠብሎቕ ኢልካ ምእታው እዩ። ስለዚ ከምቲ ሓደ እዋን ሶማላውያን፡ የመናውያን፡ ሱዳን፡ ቤጃ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጋምቤላ፡ ቤንሻንጉል፡ ደምሒት፡ ኣርበኞች ግንባር፡ ጉንበት-7፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡  ሓይልታት ናጽነት ኦጋዴን ናብ ኤርትራ ወሲዱ፡ ኣንጻር መንግስታቶም ዘሰልጥን ዝነበረ ሎሚ ድማ ምስ ፋኖ-ኣምሓራ ተዓራሪኹስ ኣሃዛት እናተጠቕሰ፡ ክንድዚ ኣሰልጢንሎም  ዝብል ሓበሬታ ይዝርጋሕ ኣሎ። መሳርሒ ክኾኑኒ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ደቂ ዓፋር እንተረኺቡ እውን ይቕጽሎ ይኸውን። እቶም ቀዳሞት ንውዲት ክብል ዘሰልጠኖም፡ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ ዝሃቦም ዕዮ ገዛ ኣይፈጸምሉን። ብኣንጻሩ ኩነታት ህዝቦን ሃገሮምን መዚኖም  ሓይሊ ህዝቦም ንክኾኑ እዮም ኣብ መድረኽ እንካን ሃባን ኣትዮም። ካብኣቶም  ገለ ዝተዓወቱ ኣለዉ ዝፈሸሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ኢሳያስ ትዕቢተኛ እንተዘይከውን ካብዚኦም እውን ክመሃር ምተገብኦ። ካብዚ ተግባሩ ነቒልካ ምስ ኣምሓራ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዕ  ዘምጸኣሉ ሓድሽ ነገር የለን። ንህዝቢ ኤርትራ ዝልክም ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘኸትል ግን ጥርጥር የብሉን። 

እዚ ተግባራቱ  ብመንጽር ኤርትራውን ከባብያውን፡ ሰላም፡ ምርግጋእን ዕቤትን ክረአ እንከሎ “ዘራጊ” እዩ። ምኽሪ ህግደፍ ዝሰምዑ እንተልዮም ከኣ ህይወትን መነባብሮን ህዝቦም ናብዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ከውድቕዎ ዝደልዩ እዮም። ህግደፍ ብዛዕባቲ ሒዝዎ ዝጸንሐን ዘሎን መንገዲ ጥፍኣት ብዘይካኡ  ዝመዝኖን ዘገናዝቦን  ስለ ዘይመስሎ፡ ወይ’ውን ምርጫ ስለ ዝሰኣነ ኣብተን፡ “ኣንጻር ስልጣኑ ንፋስ ክኣትወለን ይኽእል እዩ”  ኢሉ ዝሰግኣን  ሃገራት፡ ቅድም ባዕሉ ህውከት የሳውር፡ ደሓር ናይቲ ባዕሉ ዝኣጐዶ ህውከት “ዓራቓይ” መሲሉ ክቐርብ ህርድግ ይብል። እዚ ኣብ ሱዳን ብተደጋጋሚ ፈቲኑ ዝፈሸለሉ ተመኩሮኡ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እውን ናብ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት ክልተ ግዜ  ልኡኻት ናይ ምልኣኹ ምስጢር እዚ እዩ። ቅድም እውን ናብኡ ምእንቲ ከይትመጾ፡ ኣብ ሱዳን ኣንጻር ምምስራት ሲቪል ዘሳተፈ መሰጋገሪ መንግስቲ እዩ ነይሩ። ሎሚ ክዓርቕ እየ ክብል እንከሎ ድማ፡ “ደርሆስ ተሓለመት ጥሪኣ”  ከም ዝበሃል፡  ሱዳን ካብዚ ኤርትራ ዘላቶ ዘቤታዊ ዕጽዋ ከምዘይትወጽእ ንምግባር እዩ። እቶም ልኡኻት ህግደፍ ዘዘራርብዎም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እውን ኣብ ሱዳን ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ምምጻእ  ውሑስ ለውጢ ብዕልዋ ዝኾለፉ እዮም። ኣብ ሓቀኛ ሰላም ዝኣምን ነይሩ እንተዝኸውን ደኣ ካብ ኤርትራንዶ መጀመረ። እዚ ከኣ እዩ ”ሕለ ዘይበልዎ፡ ክዳን ሓማቱ ይሓሊ” ዘብል።

ዲክታተር ኣብ ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን ዘሎ። ንበዓል ሰሜን ኮርያ ከም ኣብነት ዝጠቕሱ ብዙሓት እዮም። ዲክታተርነት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ ዕምቆታት እውን ኣለዉዎ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ እቲ ዝኸፈአ ጫፍ ዲክታተርነት እዩ። ገለ ዲክታተራውያን መራሕቲ ኣብ ገለ መዳያት ሕቶ ህዝቢ ንይምሰል’ውን ክምልሱ ይፍትኑ   እዮም። መግቢ፡ ሕክምና፡ ትምህርቲ ዘፍቅዱን እቲ ዲክታተራዊ ባህርያቶም ዝያዳ ኣብ ምጭባጥ ስልጣንን ጸጋታት ሃገር ብምብሓትን ዝያዳ የተግብርዎ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ዲክታተርነት እዩ እንብሎ እምበኣር፡ ዝኾነ ህዝባዊ ሕቶ ዘይመለሰን ኣብ ኩሉ ሰክተራትን ጽፍሕታትን ምልኩ ዘትረረን ስለ ዝኾነ እዩ።

ህግደፍ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝሰምዕ እዝኒ  ኮነ ዝምልስ ሕልና የብሉን። ኮነ ኢሉ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ እናውዓሎ እምበር ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ጉዳይ ወርቂ ክለዓል እንከሎ፡ ብፍጹም ነገራዊ ዓቕሚ የብሉን ማለት ግን ኣይኮነን። እዚ ምስ ሩሲያ-ቻይና ዘርእዮ ዘሎ ኣገልጋልነት፡ ንህልውነኦም ኣብዚ ከባብና ክብሉ ዝህብዎ  ደገፍ እውን፡ ጽባሕ እንታይ ከምጸኣሉ ይኽእል? ቀጻልነቱኸ ክሳብ መዓስ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ዘኸትል ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ሙቐት ዝህቦ እዩ።

Last modified on Saturday, 30 April 2022 10:21