Print this page

ውዳበታት ምእካብ፡ ሓሳብ ምእካብ’ዩ

2022-04-23 15:19:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 994 times
Rate this item
(0 votes)

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዙሕ ካብ ዝጸዓረሎም፡ ግን ከኣ  ክሳብ ሕጂ ካብ ዘይተዓወተሎም፡ ቀጻልን ዝተኣማምንን ምትእኽኻብ ክፈጥር ዘይምብቅዑ እዩ። ምትእኽኻብ ተራ ናይ ትካላት፡ ሰባት፡ ውድባት ወይ ማሕበራት ብኣካል ብሓደ ምዃን ጥራይ ማለት  ዘይኮነ፡ በበይኑ ዝጸንሐ ሓሳባትን ግብርን  ናብ ሓደ ከተምጽእ ምኽኣል እዩ። እቶም ዝእከቡ ኣካላት ብዙሓት ድዮም ውሑዳት ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ቁምነገር። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ናይቲ ናብ ናይ ሓባር መድረኽ ሒዘምዎ ዝመጹ ናይ ኣተሓሳስባ ኣገዳስነትን ብስለትን እዩ።

ውዳበታትን ሓሳባትን ምእካብ ኣገዳስን መሰረታውን ዝኸውን፡ ኣብ ከምዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ንቃለሰሉ ዘለና ፖለቲካዊ ህሞት ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ካልእ ዓውድታትን ጽፍሕታትን ዝዝውተር፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ንጥፈታትን’ውን ፍቱን መሳለጢ እዩ። ምኽንያቱ ዝተበተነ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ስለ ዘየደምዕ። ካብዚ ነቒሎም እዮም ከኣ ወለድና ንኣገዳስነት ዓቕምኻ ምጥርናፍ ንክገልጹ “ኣጻብዕ ምስ ዝሓብራ፡ ኣርቃይ የጸንብዓ”  ዝበሉ። ክእከብ ዝግበኦ ሓይሊ ውዳቤበታትን ኣተሓሳስባኡን ምስ ዘይእከብ  ኣየድምዕን ጥራይ ዘይኮነ ንድሕሪት ዝጐትትን ዘረሓሕቕን እውን ይኸውን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኢውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ኣብ ዓለምና ዘለዉ ዞባውን ከባብያውን ኣካላትን መሰረታዊ ምኽንያት መቆሚኦም፡  ዋላ ዝተፈላለዩ መልከዓትን ስፍሓትን ይሃልዎም ፋሕ ዝበለ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ኣብ ሓደ ኣምጺእካ ኣድማዒ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝተደኮኑ እዮም። ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ካለኦት ደረጃታትን ዝግበር ዝምድናን ምድግጋፍን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ የብሉን። እቲ ሰብን ሓሳብን ኣኪብካ  ዝፍጠር ዓቕሚ ብነገራዊ ውጽኢት ጥራይ ዝልካዕ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ሰላም፡ ምርግጋእን ተኸኣኢልካ  ምንባርን  እውን፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ኣድላይነቱ እዩ። እቲ ከነረጋግጾ ንቃለሰሉ ዘለና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ናይ ካለኦት ናይ ለውጢ ዓቕምን ኣተሓሳስባን፡ መወሃሃዲ መድረኻት ምፍጣር ብቐሊሉን ኣብ ሓጺር ግዜን ዝፍጠሩ ከምዘይኮኑ ንሓልፎ ዘለና መስርሕ እዩ። ማዕረቲ ሃገርና እትጠልቦ ህጹጽነት ለውጢ  ከምዘየለና ድማ እምነትና እዩ።

መስርሕ ሓድነት  ናይ ኩሎም እቶም ሰብን ሓሳብን ዘዋጽኡ ወገናት ሓላፍነታዊ ኣበርክቶን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ምኽንያቱ ውዳበን ሓሳብን  ምእካብ ናይ ብዙሓት በበይኑ ድሌታት ናብ ሓደ  ሓባራዊ ድሌት ምምጻእ ስለ ዝኾነ። ኣብቲ መስርሕ ንሓደ ኣካል ካብቶም ተወሃሃድቲ ምሉእ ብምሉእ ኣሕጒስካ ነቲ ካልእ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ካብቲ ሕብረት ከምዘይጥቀም ካብ ምግባሩ ጥንቃቐን ውሕልነትን ዝሓትት እዩ። እቲ ዝምስረት ሕብረት ቀጻልነት ምእንቲ ክህልዎ፡ ቀጻሊ ሓለዋን ምክትታልን የድልዮ። ምኽንያቱ በብግዜኡ ዝጸልዉዎ ሓደስቲ ምዕባለታት ስለ ዝፍጠሩ፡ ነዞም ምዕባለታት እናተኸታተልካ ብምሕዳስ ምስ ግዜ ምጉዓዝ ኣድላይ ስለ ዝኸውን። ቅድም ናይ ሓባር መድረኽ ህያው ምዃኑ፡ ቀጺሉ ከኣ እቲ መስርሕ ብግቡእ ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ብቕዓትን ሓልዮትን ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝፍተነሉ እዩ። እቲ እምነ-መሰረት ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ምንባር ደሓር ግና ብሰንኪ ተኸናኺንካ ዘይምሓዙ ንድሕሪት ናይ ምምላሱ ሓደጋ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ተመኩሮ ዝረኣናዮ ግና ክሳብ ሕጂ ክንድቲ ክብደቱ ክንመሃረሉ ዘይከኣልና እዩ።

ናብቲ ኣገዳስን መሰረታውን ጭብጥና፡ መስርሕ ምምጻእ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ናይ ሓባር መድረኽ ነተኩር። እተን ብሓባር ዘስርሐን መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ቃልሲ ዝርከባ ዘለዋ ሰልፍታትናን ውድባትናን ናይ ኩለን ሃምን ቀልብን መጻኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ እዚ ሎሚ ዘሎ ገሃነብ ምምሕዳር ተወጊዱ ብራህዋ ዝትከኣሉ ኩነታት ምፍጣር ዝመሰረቱ እዩ። ናብዚ ዕግበት ዘምጸአን ከኣ እቲ ኣብ ቅድሚአን ዘሎ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ መሰረታዊ ዕላማ በበይንኻ ኮይንካ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ዘለወን ዕግበት እዩ። እሞ እዚ ብኸመይ ይረጋገጽ ኣብ ዝብል ዝርዝር ግና ዘሰማምዕ ኮነ ዝፈላሊ ሓሳባት ኣለወን። እቲ ዘሰማምዐን ካብቲ ዝፈላልየን ከም ዝበዝሕን ከም ዝሕይልን ግና ኣብ ብዙሕ መድረኻ ዝተገልጸን ንሳተን እውን ዘይክሕደኦን እዩ። ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ህግደፍን ኣተሓሳስባኡን ምውጋድ፡ ብመሰጋገሪ መድረኽ ኣቢልካ፡ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድላቱ ዝውስነሉ ሕገ-መንግስቲ ዘጽድቐሉን ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ንዓኡ ዝምእዘዝ መንግስቲ ምምስራትን ዝኣመሰሉን ካብቶም ሰልፍታትናን ውድባትናን ዝሰማምዕሎም ጉዳያት እዮም። እቲ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ዳርጋ ኩሉ እቲ ዝፈላልየን ኣብዚ ህግደፍ  ንምውጋድ ዝካየድ መስርሕ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝትግበር ዘይኮነ፡ ኣብቲ ኤርትራ ብመንን በየናይ ኣተሓሳስባን ትምራሕ ዝብል፡ ካብ መድረኽ ምስግጋር ዝጅምር ካለኣይ ምዕራፍ ምዃኑ እዩ። እዚ ምዕራፍዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት የዋጽእ ዝብለኦ ሓሳብ ዘቕርባሉ ኮይኑ፡ ብቐንዱ፡ ጉዳያት ብህዝቢ ኤርትራ ዝውስነሉ እዩ።

ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፤ ኣብ መንጎ ተራ ሰባት እውን ፍልልይ ኣሎ። ናይ ፍልልዮም መሰረት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካዊ እምነት፡ ዝነብርሉ ከባብን ካልእን ክኸውን ይኽእል። ምስዚ ኩሉ ፍልልያቶም ግና ኣሳንዮም፡ ሓዳር ክምስርቱ፡ ክነግዱ፡ ክመሃሩ፡ ኮታ ኣብ ብዙሕ መዳያት ሓቢሮም ከድምዑ ልሙድ እዩ። ነዚ ዝበቕዑ ከኣ እቲ ዝነበሮም ፍልልይ ስለ ዘወግድዎ ዘይኮነ፡ ካብ ነቲ ዝፈላልዮም፡ ነቲ ዘሰማምዖም ቀዳምነት ስለ ዝሰርዕዎ ጥራይ እዩ።  ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ግዝያትን ዘጋጠሙ ፖለቲካዊ ፍልልያት እውን ብኸምዚ መልክዕ እዮም ክውገኑ ጸኒሖምን ንመጻኢ ዝቕጽሉን። እዚ ዘርእዮ ድማ ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ምክእኣልን ሕድገታትን ብቕዓት እዩ። ካብዚ ነቒሉ ናብ ደንበ ተቓውሞና “እዚ ናይ ምጽውዋር መስርሕ ስለምንታይ ደኣ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዘይነዘውትሮ?” ዝብል ሕቶ እንተ ቀሪቡ መልስና እንታይ ከም ዝኸውን ፍሉጥ ኣይኮነን። ቅድም ድኽመትካን ሕጽረትካን ምቕባል፡ ደሓር ብኣኡ ተበራቢርካ  ምቕጻል’ዩ፡ ዝብል መልሲ ብቑዕ እዩ።

ዝኾነ መስርሕ በቲ ኣብ ከባቢኡ ብዘሎ   ምዕባለ ዝጽለው እዩ። ናይ ሓባር መድረኽ ንምምጻእ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ’ውን ከም መስርሕ ርሑቕ ከይከድና፡ በዚ ኣብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካለኦትን እናሓደረ ዝገድድ ዘሎ ተርእዮታት ይጽሎ እዩ። እቲ ጽልዋታት ናቱ መንገዲ ስለ ዘለዎ ጠጠው እነብሎ ኣይኮነን። ነቲ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደገኛት ሳዕቤን ብኸመይ ሓቢርና ንቕረበሉ ግና፡ ንዓና ዝምልከትን ግድን ክንሰርሓሉ ዝግበኣናን እዩ። ናይ ሓባር መድረኽ ክንፈጥር እንተበቒዕና ከኣ  ዘድልየና መሳርሒ ምውናና ዘመልክት እዩ።

Last modified on Saturday, 23 April 2022 17:23