Print this page

“ዶብና ከይተሓንጸደ ን2 ዓመታት ምጽናሑ ብዓይኒ ታሪኽ ነዊሕ ኣይኰነን” ...ስርዓት ኢሳያስ

2020-07-11 20:14:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2903 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ስምምዕ ተኸቲሙ ድሕሪ ምባሉ፡ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣህዛብ ዓለምን ናይ ብሓቂ ሰላም ሰፊኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዳይ ልምዓት፡ ፍትሒ፡ ብልጽግናን ኣብ ጐደና ምኽባር ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ንቕድሚት ዝምርሻሉ መዋእል ክኽሰት’ዩ ዝብል’ዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እሱራት ክፈትሕ፡ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ምፍቃዱ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ውዕልን ብይንን ኣልጀርስ ክፈትሕ ምቕባሉን ዶባት ናይ ክልቲኦም ሃገራት ምኽፋቱን ዓቢ ተስፋን ደገፍን ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ረኺቡ ነይሩ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣህዛብ ዓለም ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክውሰድ’ዩ፡ እሱራት ክፍትሑ ኢዮም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክግበረሉ ኢዩ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ክወዳደሩ ዕድል ክውሃቦም’ዩ ተጸብዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ ተስፋ ዘጸልምት እንተዘይኰይኑ፡ ተስፋ ዝህብ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ኣይተገብረን እኳ ደኣ እናበኣሰ ክኸይድ’ዩ ተራእዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ድማ ተቖጽዩ፡ ስእነተ-ሰላም ሰፊኑ፡ ዓሌታዊ ጐንጺ፡ ምፍንቓል፡ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ማእሰርቲ ብጅምላ፡ ናይ ህጹጽ ኵነት ኣዋጅን  ውግእን ወረ ውግእን ዕለታዊ መነባብሮ ህዝብታት ኢትዮጵያ  ኰይኑ።

እቲ ንሓጺር እዋን ተኸፊቱ ዝጸንሐ ዶባት ተዓጽዩ። ናይ ናቕፋን ብርን ሸርፊ ምምጥጣን ምስ ተገብረ፡ ሰብን ኣቝሑትን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝንቀሳቕስሉ ቅጥዕታት ምስ ተዳለወ ዶባት ክፍታሕ ኢዩ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ እውን ተዘርግሐ። ብግብሪ ዝተራእየ ከኣ እሞ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ …..ናይ ወያነ ጕዳይ game over ኰይኑ’ዩ: ንሕና ኢድና ኣጣሚርና ስቕ ኢልና ኣይንርእን ኢና…ወዘተ እናበለ ክፍክርን ሰራዊቱ ንወያነ ንምህዳድ ናብ ዶባት ከጓዓዕዝን ኢዩ ተራእዩ። ብተረድኦና ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ’ቲ ቅድም ዝነበሮ ኣይሰላም ኣይውግእ ኵነታት ዝተቐየረ የለን። እታ ሓንቲ ተቐይራ ዘላ፡ ጕጅለ ኢሳያስ፡ ከምኡ’ውን እቶም ዓቕሚ ዘለዎምን ፍቓድ ስርዓት ኣስመራ ዝረኸቡን ውሑዳት ኤርትራውያን ዜጋታትን ካብን ናብን ብነፈርቲ ክመላለሱ ምኽኣሎም ጥራይ ኢዩ። እንተዘይኰይኑ፡ ህዝቢ ዳግማይ ውግእ ከይኽፈት ብምስጋእ ብፍርሒ መዓንጡ ሒዙ’ዩ ዝጽበ ዘሎ።

ጕዳይ ዶብ ከኣ’ሞ ካብ ቀደሙ እውን ንኢሳያስ ዘገድሶ ጕዳይ ከምዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ብጉዳይ ዶብ ከምዘይነበረ ሎምስ ቍልጭ ኢሉ በሪሁ ኢዩ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሕልሙ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ምምራሕ ስለዝነበረ ካብ ብጒሓቱ …..ንዓይ እኳ እዚ ዶብ ዝብሃል ነገር ትርጉም የብሉን፡ ኣይርድኣንን ኢዩ፤ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጕም ዘይብሉ ብርኪ ክንቅይሮ ኢና፤…. ክብል ዝስማዕ ዝነበረ። ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ናይ ሰላም ስምምዕ ውዕል ምስ ከተመ ከኣ እሞ፡ ስምዒታቱ ምቍጽጻር ስኢንዎ፡ ንሕልምታቱ ሓንቲ ከይገደፈ፡ ኣብ ጽርግያ ኵዕው ኵዕው ከብሎ’ዩ ተራእዩ። ….ኣብዪ ሓወይ ክሳብ እግሪ ዝተክል ናይ ዶብ ጕዳይ ከነሰጋግሮ ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ፡ ንህዝቢ ኣምሓራ ከይተረድኣኒ በዲለዮ ኢየ፡  ኣይከሰርናን ኵሉ ንብረትና ተመሊሱልና ኢዩ፡ ንኣብዪ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹ ኣነ ድማ ተኸታሊኡ ክኸውን’የ…… ብምባል ንሃገርናን ልዑላውነታን ኣሕሊፉ ክህብ ዓለም ብዓለማ ዝተዓዘበቶ።

ነዚ ዘሕንኽ ጥልመታት’ዚ ንምምልኻዕን ካብ’ቲ ሸታሕታሕ ኢሉ ዝተሸመመሉ ዓዘቕቲ ንምውጻእን ተባሂሉ’ዩ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት፡ …ሰለስተ ወለዶታት ከም እተኸስረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ን80 ዓመታት ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ  ከም እተቓለሰ… ክገልጸልና ዝፈተነ። ህዝቢ ግን፡ ሽዓ ከምዝተጠልመ ብግልጺ ስለዝበርሃሉ፡ ይኣክል ኢሉ ሓሪኑ ነቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ክብንቁሶ’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ነዚ ዝተረድአ የማነ ቻርሊ ድማ፡ ኣሰር ናይ ጐይትኡ ተኸቲሉ "ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ትርጉማት ኣሎዎ። 1ይ. ደድሕሪ ናጽነት ዝስራዕ፡ ዳግማይ ዓወት'ዩ። 2ይ. ሰላም ምስታ ን50 ዓመታት ብደገፍ ዓበይቲ ሓይልታት ኩናት ዘካየደትልና፥ ን80 ዓመታት ኣብ ግጭት ዝጸመደትና ጎረቤት" ብምባል፡ ኣብ’ዚ ዝኽሪ ናይ 2ይ ዓመት ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብትዊተር ከቃልሖ ዝሰማዕናዮ። እታ ጥልመት  ብቻርሊ ትጽገን ወይ ትዕረ ጌጋ ኣይኰነት። ክትምለስ ብዘይትኽእለሉ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ኤርትራ በጺሓ’ያ።

እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ዝዀነ ይኹን ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ኣይግበርን ኢዩ ዝብል ዝነበረ ስርዓት ኣስመራ፡ መበል ካልኣይ ዓመት ውዕል ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝዝክረሉ ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ሎምስ ለሚዶሞ’ዮም ግዲ ኢሉና ኰይኑ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይተሓንጸጹ 2 ዓመት ምግባሩ ብዓይኒ ታሪኽ ክርአ እንከሎ ነዊሕ ግዜ እኮ ኣይኰነን ክብለና ተሰሚዑ። እወ፡ ንሰበስልጣን ኤርትራ፡ 2 ዓመታት ሓጺር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ፡ ዝተሰደ፡ ዝተሰውአን ግን፡ ክሳብ ክንደይ መሪርን ነዊሕን ምዃኑ ይስቆሮም’ዶ እምበር’ዩ። በማእት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወትን ንብረትን ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ከይበረሰ፡ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ከይተፈናቐሉን ከይተሰደዱን ከለዉ ዋላ ንሓሙሽተ ዓመታት ይኹን ካብኡ ንላዕሊ ዝነውሕ ግዜ ብህድኣትን ብሰላምን ነቲ ጐንጺ ክትፈትሕ ምጕያይ’ዶ ኣይምሐሸን ነይሩ!!!!? ሽዓ ደኣ፡ ከመይ ኢላ ኢያ መሬት ጸቢባቶም ንክልኢት ትኸውን ግዜ እውን ዕድል ከይሃቡ ናብ ፈኽራን ከበሮ ውግእ ምህራምን ዘምርሑ።

የማነ ቻርሊ ቀጺሉ …. "ምስ ሱዳን፡ ሶማል፡ደቡብ ሱዳንን ምትሕግጋዝና ክነዕቢ፥ ንዞባዊ ምትሕባብር ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ክንተግህ ኢና። ተጻብኦ ገና ንዘይበለየሎም፡ ሰላምና ዕረ ዝጠዓሞም፡ ኤርትራ ዲል ከይትረክብ ድቃስ ንዝስእኑ፡ በቲ ፍቱንን ዕዉትን መገድና ክንምክቶም ኢና" ኢሉ……። ተጻብኦ ዘይበልየሉ መን’ዩ? ንጅቡቲ ካብ ሱዳን፡ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን  ዝርከብኦ ዞባዊ ምትሕብባር ቀርኒ ኣፍሪቃ ከውጽኣ ዝጽዕር ዘሎ መን’ዩ? እቲ ጌና ተጻብኦኡ ንጅቡቲ ዘይበለየሉ ስርዓት ኤርትራ’ዶ ኣይኰነን? ብኸም’ዚ መንፈስ ናይ ምትህልላኽ’ከ ከመይ ጌርካ’ዩ ደራኺ ናይ ዞባዊ ምትሕብባር ክትከውን ትኽእል።

Last modified on Monday, 13 July 2020 10:27