Print this page

ህግዲፍ እምበር፡ ኤርትራ ኣይፈሸለትን

2020-05-29 08:12:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2653 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክፈርስ ከሎ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተን ክረኽባ ከለዋ፡ ኤርትራ ግን ነዚ መሰል'ዚ ኣይተዓደለትን። ናይቲ እዋን'ቲ ጎብለል ሃገራት ጠቕመንን ጠቕሚ መሻርኽተንን ልዕሊ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ገይረን ስለ ዝረኣየኦ፡ ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምሳል፡ "ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝሕሻ፡ በይና ክትነብር ዓቕሚ የብላን" ብዝብል መመኽነይታታት ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረንን ኣብ መወዳእታ ድማ ከምትጉበጥ ገይረነኣ። እዚ ኣብቲ እዋኑ ኣዝዩ ራራቢ ነይሩ፤

ኤርትራ ናይ ዓለምና መዘራራቢት ኣጀንዳ ዝኾነትሉ ኣጋጣምታት ብዙሕ እዩ። እቲ ኣዛራብነታ ንሓንሳብ ከም ናይ ጽቡቕ ኣብነት ይኸውን ንሓንሳብ ድማ ከም ናይ ሕማቕ መርኣያ ኮይኑ ክቀያየር ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ናጻ ወጺኣ፡ ብውሳነ ህዝባ ልኡላዊት ኮይና ባንዴረኣ ኣንበልቢላ ኣብ መዝገብ ሕቡራት ሃገራት ምምዝጋባ፡ ናይ ጽንዓት፡ ትብዓትን ተወፋይነትን ኣውንታዊ ኣብነት ኮይና  ኣዛሪባ ቀልቢ ብዙሓት ተመራመርቲ ስሒባ። እዚ ዘረጋግጾ ሓቂ እንተሊዩ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናቱ ሓይሊ ንላዕሊ፡ ኣዚዩ ዝተዓጻጸፈ ዝሰዓረ፡ ኣብ ሰላም ርእሱ ክመርሕን ከማዕብልን ከሸግሮ ዝኽእል ነገር ከም ዘይህሉ ኢዩ።

እንተኾነ ግና ብሰንክቲ “እመርሓ ኣለኹ” ዝብል ብግብሪ ግና ሃገር ኣብ ምብራስ ዝዓዪ ዘሎ፡ ሃሰስ ኢልካ ኣወንታ ዘይትረኽበሉ ዝተጐርበሰ ጉጅለ፡ ናይ ሕማቕን ሕሰምን መዛረቢት ሞዴል/ቅዲ ኮይና። እቶም ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዝደርሱን ዝመራመሩን ወገናት ዝበጽሕዎ መደምደምታታት ዝተፈላለየ ደረጃን ክብደትን ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝትኡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ዝሕብር እዩ። ከከምቲ ውጽኢት ምርምሮም ዝመርሖም ከኣ፡ “ኣብ ቀራና መንግዲ ዘላ፡ ዝቖሰለት፡ ዝፈሸለት …….. ወዘተ ሃገር” ኢያ ክብሉ ይመዝንዋ። ነስተውዕል እቲ ሓደ ግዜ “ኣይኮነንዶ ሰባ እምና’ውን ዝዋጋእ” ዝብል ዝነበረ ጽንዓትን ብሩህ ተስፋን ኤርትራ እዩ ናብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሚዛን ወሪዱ ዘሎ። ገለ ካብቶም ነቲ ንኤርትራ ናብዚ ኣዝዩ ዝሓመቐ ደረጃ ኣውዲቕዋ ዘሎ  መሰረታዊ ጠንቂ ኣድቂቖም ዘይረኣይዎን ምናልባት እውን ፍሉይ ሕሳብ ስለ ዘለዎም ኮነ ኢሎም ዝሰግርዎን፡ ናይ ኤርትራ ዋሕዲ ህዝቢ፡ ዕሸልነት ተመኩሮ ህዝባ ኣብ ምምሕዳር ልኡላዊት ሃገርን ዘይእኹል ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን  ከም ጠንቂ ናይዚ ትሓልፎ ዘላ ሃለዋት ኣምሲሎም ዘቐልቅልዎ ዘይቅቡል መጐት ኣሎ። ምስ እዚ ኩሉ ግና ዕምቆታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ናይ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፍራሲ ተግባራት ጓስዮም ዝሓልፉስ የለዉን።

ንህልዊ ወድዓዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዳህሲሶም ኣዕሚቖም ዝመምዩ  ርትዓውያን ወገናት ግና፡ መደምደምታኦም ብሱልን ኣብ ዙርያ “ህግዲፍ እምበር፡ ኤርትራ ኣይፈሸለትን ” ዘትክልን ንዓኡ ዘዕሙቕን ዘስፍሕን እዩ። ኤርትራ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ዘይሕገምንግስታዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዓመጸኛን ሸፋጥን ባህርያት ናብዚ ሕጂ ዘላቶ እንተዘየውድቓ፡ እቲ ፍሽለት ዝበሃል እሞ ይትረፍ፡  ልኡላዊትን ብልጽግትን ሃገረ ከይትኸውን ዝዕንቅጻ ተፈጥሮኣዊ ህያብ፡ ዘይምቹእ ኣቀማምጣ ኮነ ተጸባይን ሃካይን  ህዝቢ የብላን።

ኣብዚ እቲ ፍሽለት ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ፍሽለት ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ጥቓኣ ዘይቀርብ ምዃኑ ንምብራህ ንክሕግዝ፡ ኤርትራ እኹል ቁጽርን ህርኩትን ህዝቢ ኣለዋ፡ ምስቲ ቁጽሪ ህዝባን ስፍሓታን ዝመጣጠን ንሕርሻ ዝኸውን ስቡሕ መሬትን፡ ንምርባሕ እንስሳን ምግራብን ዘብህግ ከባብን ትውንን፡ ኣብ ዓመት ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ሓሪስካ ምህርቲ ምሕፋስ ዘኽእል ዝተፈላለየ ክሊማ ይነፍሳ፡ ምልክታቱ ይረአ ከም ዘሎ ዕቑር ናይ ማዕድን ሃብቲ ኣለዋ፡ ምስቶም ውሑዳት ኣብ ዓለምና ዘለዉ ሰሓብቲ ገማግም ዝወዳደር ባሕሪ ምስ ወደባቱ፡ ወሳኒ ናይ ንግዲ ኣሳላጥነቱን ዝተፈላለዩ ሃብቲ ማዩን ኣለዉዋ። ስለዚ ኤርትራ ነዚ ጸጋ'ዚ ሒዛ ምስ ጥዑይ ምምሕዳር  እቲ ፍሽለት ጥቐኣ’ውን ከም ዘይሓልፍ ርዱእ እዩ። ነዚ ጸጋ'ዚ ወኒና ምስ ህዝባዊ፡ ሕገ-መንግስታውን ትካላውን ምምሕዳር “እቲ ርእሳ ኣይትኽእልን” ዝብል'ሞ ንረሰዓዮ፡ ንህዝባ ኮይና ንካልእ ክንዲ ህዝባ ዝኸውን እትዕግልን ናብ ዝያዳ ዕቤትን ምዕባለን እትስጉምን ሃገር ዘይትኾነሉ ምኽንያት የለን። ነዚ ተገንዚብካ ብርትዓዊ ሚዛን እቲ ፍሽለት ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ናይ ህግደፍ መግለጽታት ፍሽለት ብዙሓት እዮም፡ ካብኣቶም፡ ብዘይ ሕገ-መንግስቲ ዝመርሕ ዘይኮነስ ዝገዝእ፡ ንኤርትራዊ መንእሰይ ምስምሳት ብምፍጣርን ህውከት ብምጽሕታርን ብዘይ ክፍሊት ኣብ ባርነት ኣውዲቑ  መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ምዝመዛ ዘካይድ፡ ናይ ኣብ ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምምላኽ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን መሰላት ዝእግድ፡ ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ ውዲት ምሂዙ “ደጊም ናብ ንቡር ተመሊስና ውሽጣዊ ኣሰራርሓና ነመዓራሪ፡ ኣብ ደጋዊ ተረኽቦታት ምሕባእ ይኣክል” ስለ ዝበሉ ንዝኣሰሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዘየቕርብ፡ ብቤተ-ሰቦምን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወሲኽካ ብዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ከይብጽሑ ዝሕንግድ፡ ህዝቢ ብገዛእ ገንዘቡ ኣብ ወርሒ ካብ ባንኪ ዘውጽኦ ገንዘብ ብመቑነን ዝቐጽዕ፡ እቲ ድሕረትን ድንቁርናን ናብ ወለዶታት ምእንቲ ክመሓላለፍ ዩኒቨርስቲ ዝዓጹ ምዃኑ ናይ ምፍሻሉ መርኣያታት ኢዮም

ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ነቶም ተቐበልቱ እውን ብዘደንጸወ ናይ ፍኹሰት ኣካላዊ ምንቅስቓሳት፡ ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ እንዳነጠረ፡ “ምሳኹም ኢና እምበር ነናትና  ሃገራት እንብሎ የብልናን”፡ ደሓር ከኣ ኣብቲ ምሳኹም ዘካየድናዮ ውግእ ኣይከሰርናን…..ወዘተ ምባሉ ካብ ፍሽለት ሓሊፉ እንታይ መግለጺ ቅጽል ክውህቦ ይኽእል?  ምናልባት ነዚ ዘይርጉእ ኣካይዳኡን ጽላለኡን “ናይ ምሕያሉ ምልክትዩ እዩ'ዶ ሜላ እዩ” ኢሎም ከመላኽዕዎ ዝደልዩ ኣካላት እንተልዮም፡ ንሳቶም እውን ምስኡ ሓቢሮም ይፈሽሉ ከይህልዉ ኣብ ጽምዋ ኮይኖም ነብሶም ክሓቱ ይግበኦም። ናይ ገዛእ ርኡሱ ጸወታ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ክርዳእ ዘይከኣለ፡ ናብ ናይ ካልኦት ጸወታ እናኣማዕደወ “ጸወታ ተወዲኡ (Game is over)” ክብል ዝሰምዐ ኣካል ኢሳያስ ከም ዝፈሸለ ክርዳእ ኣይጽገምን።

ደራሲ ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2020፡ “ከኣደባባይ ባሻገር፡ የኢትዮጵያ ፖለቲካ ተስፋና ስጋቶች/ ኪኖ’ቲ ኣደባባይ፡ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ተስፋን ስግኣታትን” ብዝብል ኣብ ዘሕተምዎ መጽሓፍ፡ ንካልእ ደራሲ ዳንየል ቢል ጠቒሶም ኣብ ዘስፈርዎ፡ ካብ ህዝቢ ቻይና 85% ኣብቲ ሃገሮም ዝሓዘቶ መንገዲ  እምነት ኣለዎ። ኣብ ኣሜሪካ 26%፡ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ 19% ካብቲ ህዝቢ እውን ከምኡ መንግስታቶም ንዝመርጽዎ መንገዲ ይኣምንዎ እዮም” ይብል። እሞ ኸድኣ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይካቶም ግዝያዊ ንዋትን ስልጣንን ኣስዲዕዎም፡ እቲ ጉጅለ ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ከይተረድኡ “ንኺድ ጥራይ ምሳኻ ኣሎና” ዝብልዎ ሒደት  ባዕሉ እውን ክጸልኦም እንከሎ “መዋቓዕቲ” ዝብሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መንግዲ፡ ኣይኮነንዶ ክኣምኖ ዘይፈልጦ ምዃኑ፡ ብዘይካ ብፍሽለት ብምንታይ ክግለጽ ይከኣል።

ስለዚ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ናይ ፍሽለት ምልክታት፡ ናይታ ነባሪት ኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ፡ ነቲ ጽባሕ ብቃልሲ ቁልቁል ኣፉ ዝድፋእ ህግዲፍ ዝምልከት እዩ። ኤርትራ ምስ ህዝባ ናብቲ ፍሽለት ብጥቓኡ ዘይሓልፍ ክቡር ቦታኣ ንክትምለስ እምበኣር፡  ነቲ ናይ ፍሽለት ቫይረስ ዘራብሕ ጉጅለ ምውጋዱ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዝተወደበ ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ግዜ ዘይህብ ዕማም ምዃኑ ንካልኢት’ውን ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።

Last modified on Friday, 29 May 2020 10:18