Print this page

ክዛረብ ስለ ዘይደለየ ድዩ፡ ወይስ ስለ ዘይከኣለ?

2020-01-19 10:30:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2370 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ሓበሬታ፡ ንወዲ ሰብ ማዕረ ዝብላዕን ዝስተን መሰረታዊ ተደላዪ ዝኾነሉ መዋእል፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብጽምኢ ሓበሬታ ይሳቐ ከምዘሎ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እንተኾነ እቲ ከም ቦዓል ኢሳያስ ዝኣመሰለ ዲክታተር ዝመሓደር ህዝቢ፤ ከምዚ ዓይነት ጽምኢ ክወርዶ እንከሎ፡ ከም ኣካል ናይቲ መፋጥርቱ ዝኾነ ጭቋኒ ባህሪኡ ወሲድካ እትቃለሶ እምበር፡ በይኑ መዚዝካ እትግረመሉ ነገር ኣይኮነን። ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና  ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ኣብ ሓበሬታ በጺሑ ክልውህ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ሓበሬታ ኣይኮነንዶ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፡ ካብ ሓደ ስድራቤት ጀሚርካ፡ ክሳብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ ትካላት ኣድላይነቱ ወሳኒ እዩ። መራሕትን መንግስታትን፡ እንታይ ከም ዝሓስቡን እንታይ ከም ዝሰርሑን ንህዝቦም ክሕብሩ ኣብ ድሌቶም ዝምርኮስ ዘይኮነ ግደታኦም’ውን እዩ። ህዝቢ ኣብዚ ሓበሬታዚ ተመስሪቱ እዩ ካብቲ መንግስቲ ዝሕዞ መንገዲ ኣየናይ ክድግፍ ኣየናይከ ክነጽግ ዝውስን። ሓደ ጥዑይ መንግስቲ ከምዚ ይገብር ኣለኹ ኢሉ ምሕባር ጥራይ ዘይኮነ “ከምዚባ መሓሸ” ንዝብል ናይ ህዝቢ ሓሳብ’ውን ግቡእ እዝንን ቀልብን ክህልዎ ይግባእ። እዚ ዕማምዚ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስፍሓት’ውን ስለ ዘለዎ ብመንግስቲ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ብሕታዊ ትካላት ሓበሬታን ሚድያን ክሳተፈኦ ይግባእ። እዚ ሓደ መምዘኒ ዲሞክራስያውነት ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታተርነት ካብ ዘይተዓደለቶም ጸጋታት ሓደ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሳላ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘመናዊ መራኸቢ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን  ዝምልከቱ ጉዳያት ብዛዕባ ባእታታት እውን ብዙሕ እዩ ዝበሃልን ዝረአን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብቲ ዝበሃል ቅልጡፍ መብርሂ ምሃብ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስታት እዩ። ህዝቢ ከኣ እንተስ ንምድጋፍ፤ እንተ ንምንቃፍ ካብቲ ብዙሕ ዝበሃል፡ ኣብቲ መንግስቱ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ክምርኮስ ይኽእል። ንጹር መብርህን ሓበሬታን እንተዘይረኺቡ ግና ነየናይ ከም ዝሕዝ ነየናይ ከም ዝገድፍ ይጠፍኦ እሞ፡ ኣብ ዘይንጹር ምናልባታት ጸንበለል ክብል ይግደድ። ህዝቢ ሓበሬታ ተሓሪምዎ ዕንይንይ እንዳበለ፡ ድምጹ ዝሓብእ መንግስቲ ከኣ መርኣያ ዘይግሉጽነቱን ዘይህዝባውነቱን እዩ።

እቲ ቀደም ቀደም ኢሳያስ ሓበሬታ ንምሕባእ ኢሉ “ስቕ ዝበልና ስቕ ክንብል ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል መህደሚ ብሂል ነይርዎ ይበሃል። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣይኮነንዶ ሎሚ፡ ኣብቲ ቀደም ሓበሬታ ምሕባእ  ዝቐለለ ዝነበረሉ ግዜ እውን ዝሰርሕ ኣይኮነን። ሕጂኸ ኢሳይያስ ኣብዚ ቀደም እውን ቅኑዕ ዘይነበረ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ድዩ ዘሎ፡ ወይስ ኣይፋሉን ንምድህሳስ ኢና ከኣ “ክዛረብ ስለ ዘይደለየ ድዩ፡ ወይስ ስለ ዘይክኣለ?” ክንብል ዝተገደድና። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር፡ ካብቶም ካብ ሚድያ ምርሓቕን ሓበሬታ ምሕባእን ከም መፍትሒ ዝወስዱ ምምሕዳራት እዩ። ብኣንጻሩ ኤርትራ ካብተን ብዙሕ ዘዛርብ ጉዳይ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። “ግዱድ ውትህድርና፡ ብዝሒ ስደተኛታትን ሳዕቤኑ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን፡ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ብኩራት ፍትሒ፡ ምስ ጐረባብቲ ኣብ ጐንጽን ምስሕሓብን ምንባር፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ኣእታውነትን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽ ዶብ ዘይምትግባርን ….. ወዘተ፡ ካብቶም ንኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ኣዛራቢት ካብ ዝገብርዋ ዛዕባታት እዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ተፈጢሮም ኣለዉ። ኢሳይያስ ምእማኑ ብዘጸግም ኩነታት “ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጐረባብቲ ሓሊፈን ሓደ እየን” ናብ ዝብል ዝዓለመ ብዙሕ ክዛረብን ከዕለብጥን ሰሚዕናዮ። “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ 30 ዓመታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ኣባኺንና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክመርሓና እዩ ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብልበይ እምበር ንቐላዓለም ኣይኮነኩን፡” እዚ ካብቲ ንሱ  ዝበሎ ብዙሕ ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ነዚ ንሱ ንዝኸፈቶ ናይ ስዕረት ኣፍደገ ተኸቲሎም፡  ኣባሃህላኡ ዘራጉዱ ብኢትዮጵያውያን ዝተባህሉ ከኣ ብዙሓት እዮም። ወዮም ካብ ቀደም ጀሚሮም ናይ ኤርትራ ልኡላዊ ሃገርነት ስለ ዘይዓለዎም/ስለዘይተዋሕተሎም ከንባህቑ ዝጸንሑ ወገናት ከኣ “ኣይበልናንዶ” ይብሉ ኣለዉ። ኮታ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ መመሊሱ ዝገይሽ ዘሎ ጣዕሳኡ ንምግላጽን በቲ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ ይቕረታ ክሓትትን ገይሮም ዝወስድዎ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት እዮም። ንኢሳያስ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝመለሰላ  ጀግና ወሲዶም ዝንእድዎ ኢትዮጵያውያን ምስማዕ እውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ጉዳያት እዚ በቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “እዚ እዩ እቲ ሓቂ፡ እዚ ከኣ እቲ ዘይሓቂ” ዝብል ንጹር ሓበሬታ ክወሃቦ መተገበአ። ከምዚ ብዘይምዃኑ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ገሊኡ ከም ሓቂ ወሲዱ፡ ገሊኡ ከኣ ከም ሓቂ ምውሳዱ ተጸጊሙ ሰንፈለል ክብል ጸኒሑ። መዓልቲ እንዳ በለዐ ምስ ከደ ግና፡  ህዝቢ ኤርትራ “ስቕ እውን መልሲ እዩ” ብዝብል፡ “ኢሳያስ ነቲ መንገዲ ጥልመት ናተይ ኢሉ ውዒልዎ እዩ” ኢሉ ደምዲሙ እዩ። በቲ ካልእ ገጹ እዚ ካብ ቀደሙ ዘይበዓል ደሓና ሰብኣይ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ፡ መርኣያ ጸረ ህዝብነቱን ጸረ ዲሞክራስያውነቱን ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ደቁ ገቢሩ ኣብ ስልጣን ዘደየቦ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ኮለል/ውልዕ ኣቢሉ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኢሳያስ ድሕሪ ሕጂ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተፋቲሑ፡ ምስ ካልእ ህዝቢ ቃል ኪዳን ይኣስር ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ድሕሪ ሕጂ ካብቲ ንሕናን ህዝብናን ብዛዕባ ጉዳይና እንጻወተሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሜዳ ብግብሪ ወጺኡ፡ ካልእ ሜዳ ከም ዝመረጸ ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ ጉዳይና ባዕልና ንሓዝ ።

Last modified on Sunday, 19 January 2020 11:34