ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ቅነ ዝኽሪ መበል 26 ዓመት ነጻነት ኤርትራ፡ መራሕቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ማዕከናት ዜናን መድረኻትን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣስተምህሮኣዊ መብርሂ ክህቡ ቀንዮም። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ኣብ ሬድዮ ኤረና፡ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ መርበብ ዓዋተ፡ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ኣብ ቲቪ ቴምፖ ኣፍሪክ፡ ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ኣብ ርክብ ኤርትራውያንን ሽውደናውያንን ኣቶ ተኽለ መለኪን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንሓርነትን ብመልክዕ ጽሑፋትን ቃለ መጠይቓትን ዘቕረብዎም ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ብዘይካዚ ኣቶ ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶን እውን ኣብ ምምዕባል ውሽጣዊ ዓቕሚ ሰልፊ ዘድሃቡ ኣስተምህሮታት ንኣባላት ሰልፊ ምሃቦም ዝዝከር እዩ።
እዞም መራሕቲ ሰዲህኤ ዘድሃብሉ ጉዳያት ብሓፈሻ ኣብ ሰልፋዊ ክሊ ከይተደረቱ፡ እንተላይ ኣብ ኤርትራውን ከባብያውን ዛዕባታት ዘተኮሩ ኣስተምህሮታት እዮም ሂቦም። ዝያዳ ንምጥቃሶም ዝኣክል ካብ ዘተኮሩሎምን ዘብርህዎምን ዛዕባታት፡
ምብራህ እቶም ቀንድታት እዮም።
እዚ መግለጽታት፡ ብሓደ ወገን መርገጽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘብርሀን ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ዝሕግዝን ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ክሊ ሰዲህኤ ከይተሓጽረ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ኩነታት እውን ዘብረሀ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣቲ ብመልክዕ ጽሑፋትን ቃለ መጠይቕን ዝተዋህበ ሓባርን መሃርን መግለጽታት፡ ህዝቢ ኩነታት ተረዲኡ ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍ ዝሕግዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይ ግሉጽነት ባህሊ ኣብ ምዕኳዅ እውን ናቱ ብጽሒት ኣለዎ። እዚ በቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ሰሚዖምን ኣንቢቦምን ዝህብዎ ዘለዉ ግብረ መልሲ ተረጋጊጹ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቃልስና ይረኣዩ ካብ ዘለዉ ጸገማት፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ድሕሪ ነጻነት ዝተወልደ ወይ ኣብ ግዜ ነጻነት ህጻን ዝነበረ ኤርትራዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሚዛናዊ ግንዛበ ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንግደ ዝተፈላለዩ ውድባትን ህዝቢ ኤርትራን ክሒዱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ሓደ ሸነኻዊ ጥምዙዝ ታሪኽ ከስርጽ ስለ ዝፍትን፡ እዚ ብቅኑዕ ሚዛናውነት ክትካእ ናይ ግድን እዩ። እዚ ብመራሕቲ ሰዲህኤ ክወሃብ ዝቐነየ መብርህታት ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ርሑቕ ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባት ክሓስብ እንከሎ፡ በቲ ብዝሐን እዩ ዝስከፍን ዝስንብድን። ብዛዕባ መትከላት ነፍሲ ወከፈን ዘለዎ ኣፍልጦ፡ ብሰኒ ጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ከኣ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝቃላሕ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ህዝቢ ነየነይቲ ውድብ ከም ዝድግፍ ኣብ ምውሳን ኣብ ዝጽገምሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። ብዛዕባተን ዝድግፈን ወይ ዝቃወመን ውድባት ግቡእ ኣፍልጦ ከይረኸበ ዝወስዶ ምርጫ ኣብ ጌጋ ከም ዘውድቖ ከኣ ንዕዘብ ኣለና። ናይተን ውድባት መንነት ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክርዳእ ኣብ ዘይከኣለሉ ምርጫኡ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ዝንባለታት ክምርኮስ ከም ዝግደድ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ንምድሓን እምበኣር ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝኽተለኦ ፖሊሲታት ናብ ህዝቢ ከቕርባ ግድነት እዩ። እዚ ክረጋገጽ ካብ ዝኽእለሉ ኣገባባት ሓደ ከኣ ብኸምዚ ብመራሕቲ ሰዲህኤ ክወሃብ ዝቐነየ ኣስተምህሮ እዩ። እዚ ብካለኦት ውድባት እውን ክሰዓብ ዝግበኦ ኣብነታዊ ተግባር እዩ። ሰደህኤ ከኣ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ክቕጽሎ እዩ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝነጥፋ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መድረኽ ቀሪቦም፡ ኣብ ህልዊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት ዘለዎም ሚዛንን፡ መተካእታኦም ድሕሪ ውድቀት ህግደፍን ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ምትብባዕ ሓደ ካብ ዝተሰለፋሉ ዕላማ እዩ ዝብል ተረድኦ ኣለና። ቆላሕተአን ድማ ጌጋ ንምጉላሕን ፍልልያት ንምግዳድን ዘይኮነ፡ ባህሊ ምጽውዋርን ምክእኣልን ምኽባር፡ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ክኸውን ይግበኦ። ብመንጽር እዚ ንሓለፍቲ ሰደህኤ ዝኸፈተኦ ኣፍደገ እንዳነኣድና ምስኣቶም ኮነ ምስ ካለኦት መርሕቲ ውድባት ክቕጽለኦ ከኣ ነተባብዐን።