Print this page

ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትኽበር

2020-08-29 08:04:48 Written by  ፍስሃየ ሓጎስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1459 times
Rate this item
(1 Vote)

ናጽነትና ብባዕዲ ምስ ተዘምተ

ክንመልሶ ብናይ ዕጥቂ መኸተ

መጀመርያ ብረት ዓጢቑ ዝኸተተ

ጅግና ተጋዳላይ ሓምድ ዓዋተ

ብሓደ መስከረም ተዅሲ ከፈተ

ብ61 ሓድሽ ምዕራፍ ንናጽነት ተኸስተ።

ኣብቲ መዋእል ዝሑል ኲናት

ምዕራባውያን ደጊፈን ንዘውዳዊ ስርዓት

ሶቭየት ሕብረት ንደርጋዊ ዴስነት

ለጊሰን ፋንቶም ሚግ፣ ታንክታት መዳፍዓት

ህርፋን ባዕዳዊ መግዝእቲ ንባሕሪ ንመሬት

ልዕለ-ሓያላን ንስትራተጅያዊ ረብሓታት

ጥሒሶም መሰልን ክብርን ናይ ኤርትራውያን ዜጋታት።

ዘይተኣደነ ኩምራ ብረት ጠያይቲ

ካብ ድምጺ ዝቕልጥፋ ነፈርቲ

ዝድብድባ ብዘቃጽል ነተጕቲ

ጨካናት ሰራዊት መግዛእቲ

ህዝቢ ኣኪቦም ዝርሽኑ፣ ዘንድዱ ኣባይቲ

ዘየናሕስዩ ንቘልዑ ንኣረገውቲ

ፍርዲ ኣልቦ ብጃምላ ኣህለቕቲ።

መከትናዮ’ድኣ ብኤርትራዊ ሃገርነት

ብዘይንቕነቕ ናይ ህዝብና እምነት

ተሳዒሮም ተጐምጒሞም ሕፍረት

ተዓቚቡ ባሕርና ምስ መሬት

ሸቶና ወቒዕና ጨቢጥና ናጽነት።

ኵሉ ይስምዓዮ ናይ ጅግንነት ዜና

እዚ’ዩ እቲ ሞያ፣ እዚ’ዩ ቲ’ታሪኻዊ ዝና

ዝወረስናዮ ካብ ኣቦታትና፣ ዘንቀልናዮ ባዕልና

ተኻይዱ ቃልሲ ብተባዕ ህዝብና

መግዛእቲ ደምሲስና ልዑላውነትና ኣዊጅና።

ኣብ ጀብሃ ኰነ ሻዕብያ ናይ ሓርነት ሽግ ዝዓተረ

ብመስዋእቱ ሕቖ መግዛእቲ ዝሰበረ

መበቆሎም ሓደ፣ ኵሎም ደቂ ኤረ

ዝኽርን ክብርን ንዅሎም ብማዕረ

ሂወቶም ወፍዮም ካብ ኵሉ ዝኸበረ።

ንጹር’ዩ ነይሩ መትከልና ዕላማና

መግዛእቲ ጸሪግና ጕሒፍና

ክንመልሶ ሰብኣዊ ክብርና መሰልና

ኣብ ፍትሕን ደሞክራስን ግን ኣይበጻሕናን ጌና።

ዘይተጸበናዮ መለሳ መግዛእትስ ምልኪ ተቐይሩ

ኢሳያስ ብሒትዎ ስልጣን፣ ገቢትዎ ብሃገሩ

ቅዋም የለ ደሞክራስያዊ ምርጫታት በዂሩ

ዓገብ ንዝበልዎ ቀቲሉ፣ ኣደስኪሉ፣ ኣሲሩ።

ብቕዋም ልዕልና ሕጊ ተመሪሕና

ብደሞክራስያዊ ምርጫታት ኣቢልና

ክንሃንጽ ከነማዕብል ዝፈረሰት ሃገርና

ክንነብር ብሰላም ብፍትሒ ብልጽግና

ዘይቅየር ዘልኣለማዊ ሕልምና ባህግና

ክንበጽሖ ኢና ብዘይሕለል ቃልስና።

ሓሳብና ይስመር፤ ቀላጽምና ይሕበር

ተጠርኒፍናን ተወዲብናን ብደረጃ ሃገር

ስርዓት ምልኪ ክንሰብር

ብሰላም፣ ፍትሕን ብልጽግናን ኣብ ሃገርና ክንነብር።

ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር

ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና።

ፍስሃየ ሓጎስ / 1 መስከረም 2020

Last modified on Saturday, 29 August 2020 10:09