Print this page

መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ 4ይ ጉባኤኡ ከካይድ እዩ

2018-06-14 21:02:29 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማገለ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2413 times
Rate this item
(0 votes)

መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ኣብ መጀመርታ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ 2018 ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፣ ኣብዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዘካየዶ ስራሕት ድሕሪ ምግምጋም፣ ብቕዋም ሰልፊ መሰረት ዝተዋህቦ ናይ ምምራሕ ዕድመ ኣብ ግዝይኡ ንዝመረጾ መሰረታት ንምርካብ 4ይ ጉባኤ ክግበር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ ምድላው ምህላዉ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ። መሪሕነት ዞባ ኣብ ኣኼባኡ 5 ዝኣባላታ፣ ን4ይ ጉባኤ ዞባ እተሰናድእ ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡ እቲ ጉባኤ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ክሰላሰል ከምዝኮነ እውን ካብ ኣቦ-መንበር ዞባ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

በዚ መሰረት፡ ኣሳናዳኢት ሽማገለ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ.... ብዕለት 08/06/2018 ዓ.ም.ፈ. ኣሳናዳኢት ሽማገለ 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ኩሎም ኣባላት ዝተረኽብሉ ስሩዕ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ሽማገለ ንነብሳ ኣብ ናይ ስራሕ ሽማገለታት ምምቅቃል ማለት፡ ኣቦ ወንበር፡ ዋና ጽሓፊ፡ ናይ ሎጂስቲክን ናይ ሰነዳትን ጉጂለ ኣቊማ። ቀጺላ ንጉባኤ ኣድለይቲ ዝኾኑ ሰነዳት ካብ መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ተረኪባ መደባታ ስሪዓ ናይ ምስንዳእ ስርሓ ከም ዝጀመረት ተፍልጥ። 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ቅድሚ ታሪኻዊ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2018 ፍራንክፎርት ምክፋቱ ዕለት 03 ነሓሰ 2018 ቅድሚ ቀትሪ ክካየድ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ እዩ። 4ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2ተ ዓመት ዝሳላሰል ኮይኑ ኣገዳስነት ስሪዒታዊ ርዝነቱ እምነ ኩርናዕ ዓወት ሰልፍን ንጥፈታቱን ብምዃን፡ ሕጂ እውን ከም ትማሊ ንዝተራእዩ መሰናኽላት ብጽኑዕ ሓድነትን ንቁሕ ዲሞክራስን ትግባረ ግዝኣተ ሕጊ ብምምካት ዘመስክረ ተባዕ መሰረታት ዝውንን ዞባ እዩ። መሪሕ ጭርሖ ጉባኤ ዞባ ከኣ እቲ ብንግሁኡ ዝተበገሰሉ መትከላዊ ዕላማ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ !!! ከምዝኮነ ብድርብ ኣስሚሩሉ።

                                                                        

Last modified on Thursday, 14 June 2018 23:10