Print this page

ዘሕጉስ ሓበረታ

2016-02-02 22:49:25 Written by  ኣካያዲ ሽማገለ ማሕበር ሓገዝ ንውጉኣት ኲናት ሓርነት ኤርትራ- ኖርወይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1627 times
Rate this item
(0 votes)

ንውጉኣት ኲናት ሓርነት ኤርትራ ብሓፈሻ ነቶም ንናጽነት ሃገሮምን ሓርነት ህዝቦምን ዝወደቁን ዝሰንከሉን እንክንሶም ዋላ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ 1991  ንነጀው እውን እንተኾነ ገጽ ሃገሮምን ህዝቦምን ክርእዩ ዕድልን መሰልን ዘይረኸቡ፣ ኣብ ክንድኡ ከም ሓደ ገዲም ንብረት ኣብ መደበር ኣካለ ስንኩላን ኤርትራ ኣብ ከሰላ፣ ሱዳን ተደርብዮም ብቃንዛኦምን ብዕድሎምን ክሳቀዩ ዝነብሩ ንዘለዉ ጀጋኑና፣ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ንምሕጋዞም እጃሙ ከበርክት፣ ብግዱሳት ዜጋታት ኣብ ጥሪ 2013 ዝተመስረተ ማሕበር ካብ ግዜና ብግዜ እንዳዓኾዅ ብምምጻእ፣  ምስኡ ብምትእስሳር ሓገዛቱ ውን እንዳደንፈዐ ይመጽእ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብኡ መሰረት እዚ ማሕበርዚ ኣብ ዓመተ 2015 ንውጉኣት ኲናት ኤርትራ ኣብ ከሰላ ንምሕጋዝ ካብ ምዝጉባት ኣባላትን ዘይምዝጉባት ተደናገጽቲ ዜጋታትን ብመንገዲ ምዱብ ዓመታዊ ክፍሊትን ብመንገዲ ተወሳኺ ህያባትን ዝተዋህለለ ገንዘብ ብድምር NKR17,941(ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕን ትሽዓተ ምእትን ኣርበዓን ሓደን ኖርወጅያን ክሮነር) ኣታዊ ገይሩ ከምዘሎ እቲ ማሕበርን ኣባላቱ ኣብ ዝሃቦ ዓመታዊ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ካብዚ ገንዘብዚ 9,350 ክሮነር ብመንገዲ ምዱብ ዓመታዊ ውጺእት ዝተዋህለለ ክኸውን እንከሎ፣ ዝተረፈ 8,591 ክሮነር ግን ብመንገዲ ተወሳኺ ሓገዝን መሸጣ መግቢ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝተጋበአ ኣኼባን ዝተረኽበ ምዃኑ ውን እቲ ዝቀረበ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን!!
ፍትሕን ሰላም ድማ ንህዝብና!!

ኣካያዲ ሽማገለ ማሕበር ሓገዝ ንውጉኣት ኲናት ሓርነት ኤርትራ- ኖርወይ

Last modified on Tuesday, 02 February 2016 23:57