Print this page

እታ ጸላም መዓልቲ 6 ጥቅምቲ 1991

2015-10-06 18:24:35 Written by  ኣድያም ተፈራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2796 times
Rate this item
(0 votes)

ቢተው ሓወይ ዓመታት ኮይኑ ካብ ትእሰር
ምእንቲ ሃገር ክትብል ሰላም ክብሰር
ሱር መግዛእቲ መሓውር ሕቘኡ ክስበር
ዓንዲ ዲሞክራሲ ክትከል ህዝቢ ክተሓባበር
ርብዒ-ዘመን ኮይኑ ኣልቦ ጥዑይ ኣየር።

          ኣለዉ እውን ምሳኻ ኣብ ጉድጓዲ ዝበለዩ
          23 ዓመት ኮይንዎም ብግፍዕን ጨቖናን ክእለዩ
          ዝገበርኩሞ በደል ኣይነበረን ክንዲዚ ዓመት ክትሳቐዩ
          ወዲ ባህልቢ ኣሎ ጥቓኻ እስከ ተዛተዩ
          ወዲ ባሻይ እውን ኣሎ እስከ ተላለዩ
          ግዜ ክፍርዶ እዩ ጸሓይ ብርሃን ክትርእዩ።

ጸሊም ተመንዶ  ረኺቡኩም
ንናጽነት ንፍትሒ  ስለ ዝበልኩም
ክትእሰሩ ስቕ ኢሎም ዝረኣዩኹም
ንገባር ክፉእ ኣምላኽ ክፈድየልኩም
ዓለም ክትርእይዋ ከመይ ክም ዝጸንሓትኩም
ኣኻእሎ፡ ጥዕናን ዕድመን ይሃብኩም።

          ኣይረሳዕናኩምን ኣሎኹም ኣብ ልብና
          ለይቲ ምስ መዓልቲ እናስተንተና
          ክወግሓልኩም  ቀጻሊ ቃልስና
          ኣይቀሰናን ብድሕረኹም ፍጹም ነይረሃወና
          ኣለዉዶ መይቶም ክንብል ፍጹም ነይደቀስና።

ኣድያም ተፈራ

Last modified on Tuesday, 06 October 2015 20:33