ኣንቶንዮ ተስፋይ
26 ሰነ 2015
24 ዓመት ኣልቦ ስጕሚ
መዕነዊ ሃገር፡ ራህዋ ሓላሚ
ብሓንቲ ቃል ሓጋይ ከራሚ
ባዕሉ መህተፍተፊ ባዕሉ ተርጓሚ፡
ርህራሀ ዘይብሉ ምልካዊ ረምጽ
ኣንኳይ ቀሪብካዮስ ብማዕዶ ዝህንፍጽ
ብፍርሓት ራዕዲ ህዝቢ ዝርብጽ
ጎብለል መንእሰይ ዘጥፍእ ዘንፍጽ
ጸላኢ ህዝቡ፡ ብሃገር ዘላግጽ፡
ሃገር ከላትኒ ተሰዲደ ዝነብር
መላኺ፡ ኣብ ህድሞይ ክዕንድር
ጎጎ፡ ሃንዛ ሰንኪተ ጾመይ ዝሓድር
ሰናደር ንዘቐበልዎ ዝኸትር
ዜጋታት ነጺሉ ምስ ዲ.ም.ህ.ት ዝመክር፡
ጽውያ የብሉን ኣዝዩ መሪሩ
ኣብ ህጻናት በጺሑ ልቢ ዘይቆጸሩ
በዚ ተጨዉዩ፡ በቲ ተኣሲሩ
ሓደ ጠፊኡ፡ ሓደ ዶብ ሰጊሩ
ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ፡ ኣብ ሰሃራ ዝሓረሩ።
ወለዶና ክጸንት ክጠፍእ
ዘይበሊ ዘይውድእ
ሞት ዶ ይልመድ መርድእ
ሸጥ መዓንጣ ኣእምሮ ርግእ
ጽናዕ ጥራሕ. ህ.ግ.ዲ.ፍ ክጠፍእ፡
ብኽያት ሕሱም፡ ረማሲ ሓዘን
ክሳድካ ቅናዕ፡ ርእሲ ኣይተድንን
ኣበይ ምስ ከደካ ጅግነን ሓበን
ሕሩይ ዕንቝ ባሕሪ፡ ወርቒ ሚዛን
ክትሓልፍያ እዛ መራር ቀጣን፡
ለይቲ ብጸላም ደምቐት
ወጋሕታ ይስዕሮ ጸሃይ በረቐት
ግዜ ተዓረቐት
ዋጋ ስቓይካ፡ ህ.ግ.ዲ.ፋዊ ውድቐት
ኣኽሊል ሓርነት፡ ክብሪ ክትቕለት፡
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣት
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ኣንቶንዮ ተስፋይ
26 ሰነ 2015