ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ናይ ክፍሊ-ዕዮ ዜና ቤት ጽሕፈት ዝነበረ፣ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 27 መጋቢት 2015 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ መበል 65 ዕድሚኡ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጅያ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ብሰላም ዓሪፉ።