ዓለም ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት
ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝወላዕኪ ክርቢት
ጸረ ድሑር ባህሊ ተባዕታዊ ትዕቢት
መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ማዕርነታዊ ብጽሒት
ቈሪጻ ነቐለት ከተመዝግብ ዓወት።
ኤርትራዊት ኣደ‘ውን ከም ኩለን ኣሓታ
ንኹሉ በደላት ብወግዒ ጠሚታ
ምውዳብ ጀመረት ንለውጢ ኣሚታ
ክትብጆ መደበት ከተወፊ ሂወታ
ሜዳ ተሰለፈት ምስ ኩሎም ኣሕዋታ።
ግደ ኤርትራዊት ኣሎዎ ሓለፋ
ንኩሉ ክትብድህ ክብራ ዝገፈፋ
ሃገር ተረሚሳ ከየርኣየት ሓለፋ
ውልቃዊ ሕቶኣ ድሕሪት ኣወንዚፋ
ንቃልሲ ወሰነት ንብረታ ገዲፋ።
ኣብ ክንዲ ትሕንቅቕ ኣብ ክንዲ ትስለም
ኣብ ክንዲ ዝፈሪ እቲ ከርሳ ለምለም
ፍትሒ ሓሪሙዋ ኣብዛ ጠላም ዓለም
መሰላ ክግፈፍ ክትርሳዕ ክትጥለም
ንቃልሲ ወሰነት ብዘይቃልዓለም።
ኤርትራዊት ኣደ ካብ ኩለን ዝያዳ
ብውሽጢ ብደገ ወጽዓ ዝኸበዳ
ሕሰም ከቢዱዋ ተሰኪማ ማዳ
ኣብ ጐደና ክርሸን ዝረኣየት ውላዳ
ጨኪና ወሰነት ንቃልሲ ናብ ሜዳ።
ንሜዳ ወጺኣ ምስ ኩሎም ኣሕዋታ
ምንም ከይዓንቀፋ ባህርያዊ ፍጥረታ
ንኩሉ በዲሃ ሓቦ ተቐኒታ
ካኪ ዘራፍ በለት ኣብ ልዕሊ ጸላእታ
መስተንክር ሰሪሓ በጀወት ህይወታ።
ሞያኺ ብዙሕ‘ዩ ክንደይለ ክዝርዝር
ዝወዓለ ይንገር ናይ ዓይኒ ምስክር
ፈልፋሊ ተኣምር ኣውዒሉ ዘሕድር
ዓለም ዝደገፎም ሓያላት ዘሕፍር
ሓበን‘ዩ ንዓና ብስምኪ ክንፍክር።
እንታይ‘ለ ክሰምያ ኤርትራዊት ጅግና
ጀለብያ ደርብያ ቁምጣ ተኸዲና
ጐዳጉድ ገዝኣ ሓመድ ዝኽዳና
ምኩሓት ተቃጽል ባርዕ ረመጽ ኮይና
ንታሪኽ ተበጅያ በጃ ህዝቢ ኮይና።
ሓደራ እናበለት እወ ህይወታ ሓሊፋ
ኣለኹ እናበለት ከይቈረጸት ተስፋ
ምእንቲ ማዕርነት ዘይብላ ሓለፋ
ህዝባ ክሓልፈሉ ንሳ ተቐዚፋ
ኣይዓብያን‘ዩ ፍጹም ክሰምያ ሓለፋ።
ሳላ ጀግንነትኪ በጺሕና ናብ ዓወት
ህዝቢ ክርህዎ ኣብ ርጉእ ነጻነት
ሃገሩ ክሃንጽ ክምርሽ ናብ ዓወት
በቲ ፍቱን ዓቕሙ ከይመርጽ ብቑዓት
ኣዘንጊዑና ግን እዚ ጠላም ስርዓት።
ንፍትሒ ንመሰል መስዋእቲ ከፊልኪ
ኣብ ንኡስ ዕድሜኺ ዘይምሱል መሲልኪ
ሕሰም ተጻዊርኪ ነጻነት ዘምጻእኪ
ናይ ስዉእ ሕድሪ ብተግባር ፈጺምኪ
ብዕራይ ጠነሰ‘ዩ ሎሚ ክሓስመኪ።
እዛ ሓላል ሃገር ዓድ‘ዞም ጀጋኑ
መንፈስ ኣይቅበሎን ብደቃ ክትዓኑ
ኣላጊጾሙልና ሕቡኣት ገዋኑ
ግዜ ድዩ በዲሉ ፍትሒ ተሳኢኑ
ወይስ ሓጥያትና‘ዩ በዚሑ ሓሊፉ ዓቐኑ።
ሕጂ‘ሞ በዚሑ መሊኡ‘ቲ መስፈር
ሃገርና ክትዓኑ ህዝብና ክሽገር
ህንጥሾ ዝበለ ብቓጻ ክእሰር
ተካኢ ወለዶ ክጥንጥና ሃገር
ነዚ እናረአኻ‘ዶ ደቂስካ ይሕደር።
ሃገር ተረሚሳ ንቑልቁል ትጸድፍ
ብዘየሎ ይልፍልፍ ስርዓት ህግደፍ
ዓለም ዝኸዓቦ ታሪኽና ዘጐድፍ
ኣብ ክንዲ ዝእረም ስርሑ ዘጽፍፍ
እንሆ ቀሪቡ ክጽጣሕ ኣብ ጐድፍ።
ምናዳ ምናዳ ሃማድአ ህግደፍ
ግልብጭ ዝቝነና ውላደን ክቕዘፍ
ንሓቂ ቀቢረን ዘብዝሓ ዓዘፍዘፍ
ምንም ዘይስቈረን ሬሳታት ክግፈፍ
ምሕረት የውርደለን ካብዚ ሕማም መንደፍ።
ኤርትራዊት ኣደ ሕልሉፍ‘ዩ ወጽዓኺ
ምእንቲ ነጻነት ዝፈሰሰ ደምኪ
ክርህወኪ ዝግባእ ክቐስን ህይወትኪ
ኣብ ዘይሓሰብክዮ ባርነት ወዲቕኪ
መተካእታ የለን ኣልዕሊ ቅልጽምኪ።
ይሓይሽ ዝበልክዮ ኮይኑ ዝገደደ
ኣካልኪ ዝመስል ጓና ምስ ሓንገደ
መንእሰይ ቀቢጹ ንስደት ካብ ከደ
ሕልና ዘለዎ ንማሕዩር ካብ ተፈርደ
እንታይ ክመጽእ ካብዚ ዝገደደ።
እቲ እንኮ ፍታሕ ተሪፉና ዘሎ
ዕላማ ቃልስና ዘይተዛዘመ ውዕሎ
ሕድሪ ስዉኣትና ከይሃሰሰ ከሎ
ነዚ ከዳዕ ስርዓት ካብ ሱሩ ክንነቕሎ
ንህዝብና ነድሕን ከይጸነተ ከሎ።
ኣባኽን ክሰግር ኣብዘን ተጋደልቲ
ብጾታ ብወጽዓ ሰሚርክን ኣብ ሓንቲ
ተብዕላ ዘሎኽን ኣብዛ ሎም መዓልቲ
ናይ ልዝብ ኣብነት ናይ ራህዋ መብራህቲ
ምስጋና ይብጻሕክን ካብዞም ተቓወምቲ።
ሰጉማ ቀጽላ ንድሕነት ሃገርና
ሰላም ከነንግስ ክንነብር ቀሲንና
ዓሌት ይኹን ጾታ ዕድመ ከይፈለና
ባርነት ክቕንጠጥ ክምለስ ክብርና
ንለውጢ ንበገስ ብሓደ ሓቢርና።
ሰዓብቲ ህግደፍ ዓይንኹም ኣግፍሑ
ሃገር እናጠፍአት ብልምዓት ትነብሑ
ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓሶታት ትነዝሑ
ዲክታቶር ክዓኑ‘ዩ ሓጢኣቱ በዚሑ
ጽባሕ ከይሓስመኩም ሎሚ ተናስሑ።
ተለዓል ውጹዕ ዳግማይ ተበራበር
መሓውር ህግደፍ ክድርቀም ክስበር
መከራ ከብቅዕ ኣብ ልምዓት ክሳገር
ዕግሽግሽ ገዲፍና ንፍታሕ ንማኸር
ኣብ ናይ ቃልሲ መስርሕ ኩልና ንጠመር።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና ብሓባር ምስ ደቀ-ንስትዮና!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ
ብዓንደጽዮን ግርማይ:
ካሰል (ጀርመን)