ኣብ ትግራይ ናብ 24 መስከረም 2026 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ከም ዝተኣስሩ መዲያታት ካብ’ቲ ክልል ሓቢረን። በቲ ሓበሬታ መሰረት ካብቶም ዝተኣስሩ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣዛዚ ሰራዊትን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ዝነበረ፡ ኮለኔል ተወልደ ገ/ስላሰ (ተወልደ ዕንበብ) ናይ ነዊሕ ግዜ ሓላፊ ስለያ ሰራዊት ትግራይ ዝነበረን ኣቶ ኢሳያስ ታደሰ ፖለቲካዊ ሓላፊ ሰራዊት ትግራይ ዝነበረን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ብመንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ ናይዞም ዝተኣስሩን ከይእሰሩ ዝጥርጠሩ ዘለዉ ካልኦትን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ኣውራምባ ታይምስ ዝተባህለ መድያ ከምዝሓበሮ ግና መእሰሪኦም ምኽንያት ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ርክብ ስለ ዝጸንሖምዩ ዝብል እኳ እንተኾነ፡ ገለ ወገናት ድማ ነቲ ስጉምቲ ማእሰርቲ ዘይኮነ፡ ናብ ደሕንነቶም ዝተሓለወ ብሕትው ቦታ እዮም ተወሲዶም ክብሉ ዝስምዑ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሓና (ገብረ ዲላ) ዝተባህለ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ክልል ትግራይ ዝነበረ፡ ብ22 መስከረም 2026 በታ ናይ መወዳእታ ነፋሪት ካብ መቐለ ሃዲሙ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ’ሎ።
ብኻልእ ወገን ድማ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዶባት ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራት ዝካየደ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያን ክምለሱ ጸዊዖም ኣለዉ። ብፍላይ ኣንበሳደር ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ ናይቲ ትርጉም ዘየብሉን ዘየዕውትን ዝበሎ ውግእ ምጅማር ተሓተቲ መራሕቲ ትግራይ እዮም ዝብል ተሪር መግለጺ ኣውጺኡ።

