Print this page

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰሓኦን ክዛተ፡ መራሕቲ ክልላት ናብ ትግራይ

2023-04-24 20:51:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 542 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስቲ መንግስቶም “ሸኔ” ዝብሎ፡ ንሱግና “መጸውዕየይ ሸኔ ዘይኮነ፡ ሰራዊ ሓርነት ኦሮሞ እዩ” ዝብል፡  ውድብ ክዛተዩ ምዃኖም ብ23 ማዝያ 2023 ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣስተዋጸኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ኣፍሊጦም።

ናይ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣዛዚ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ እቲ ዘተ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ዘለዎ ኣብ ሃገር ታንዛንያ ብ25 ማዝያ 2023 ከም ዝካየድ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መግለጺ ኣረጋጊጽዎ። ካብዚ ሓሊፎም ክልቲኦም ወገናት ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ታንዛንያ ምዃኑ እምበር፡  እቲ ኣዛታዪ ሳልሳይ ኣካል መን ምዃኑ ብዝምልከት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ መንነቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ ምንጭታት፡ ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ ስዊድን፡ ነርወይ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሚሪካን ከም ዝሳተፉ ንቢቢሲ ገሊጸምሉ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኦሮሞ ብፍላይ ኣብ ምዕራብን ደቡብ ወለጋ ሰፊሕ ቦታ ተቖጻጺሩ ዘመሓድር ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ምዕራብ ሃረርጌን ሰሜን ሸዋን ብሰፊሑ ተንቀሳቒሱ ዝተፈላለዩ ስርሒታት ዝፍጽም፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 2021 ጀሚሩ “ፈጣሪ ራዕዲ” ተሰይሙ ዘሎ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዜ ምስዚ ውድብዚ ከምዘይዛተኳ ይገልጽ እንተነበረ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ግና  ክዛተ ቅሩብነት ምዃኑ ኣርእዩ።  እንተኾና ብዛዕባ እቲ ዘተ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ምክያዱን ሳልሳይ ኣካል ምስታፍን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተቐበሎ ምስምማዕ ስኢኖም ጸኒሖም።   ሎሚ ግና ብመግለጺ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ ዘተ ዝኣትዉ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰሓኦ  ዘቕረቦ ቅድመ-ኩነት ስለ ዝተቐበሎ እዩ ዝብል እምነቱ ኣንጸባሪቑ።

ብኻልእ ወገን ድማ ፕረሲደንትታት ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ተመሪሖም ናብ ትግራይ ከም ዝጐዓዙ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሮም። እቲ መገሻ ናብ ትግራይ፡ እቶም መራሕቲ ክልላት ኣብታ ክልል ዘሎ ኩነታት ተዓዚቦም ኣብ ህንጸት ዝሕግዝሉ ኩነታት ንምፍጣር ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ።

Last modified on Monday, 24 April 2023 22:55