Print this page

ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ምባል ኣይተኻእለን

2023-04-21 08:54:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 898 times
Rate this item
(0 votes)

ብሓፈሻ ኣብ መላእ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ካርቱም ካብ 15 ማዝያ 2023 ዝጀመረ፡ ደማዊ ውግእ ሕድሕድ ጠጠው ናይ ምባል ፈተነታት ኣይተዓወተን። ሓንሳብ ን4ተ ሰዓታት ድሕሪኡ ድማ ን24 ሰዓታት ተኹሲ ጠጠው ክብል እሞ፡ ነበርቲ መሰረታዊ ቀረብ ከዳልዉን ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት ቆሲሎም ዝወደቑ  ሰባት ንክለዓሉን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ፈተነኳ እንተነበረ ከምዘይተዓወተ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዝካየድ ዘሎ ውግእ ስለ ዘይተቛረጸ፡ ብኢጋድ ተመዚዙም ናብ ሱዳን ከይዶም ምስቶም ነቲ ውግእ ዝመርሑ ዘለዉ ጀነራላት ከዘራርቡ ተሓሲቦም ዝነበሩ መራሕቲ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ጉዕዘኦም ክስርዙ ተገዲዶም። ዜጋታተን ካብ ካርቱም ከውጸኣ መደብ ሰሪዐን ዝነበራ ሓያሎ ሃገራት እውን ብሰንኪ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዓውዲ ውግእ ኮይኑ ምህላዉ ኣይከኣላን። በቲ ውግእ ዝተጐድኡ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ዝሕበር ዘሎ ኮይኑ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት እንታይ ይገብር ከምዘሎ ኣይተፈልጠን። ልዕሊ 10 ካብ ዜጋታታ በቲ ውግእ ዝሞቱዋ ኢትዮጵያ ብወገና ፍሉይ ኣካል ኣቚማት ትከታተል ከም ዘላ ተነጊሩ።

ምስ ምቕጻል እቲ ውግእ፡ ክሳብ 5ይ መዓልቱ ልዕሊ 300 ሲቭል ሰባት ሞይቶም  ዝያዳ 2000 ድማ ከም ዝቖሰሉን እቲ ኣሃዛት ቅልጡፍ ወሰኽ ዘርኢ ምዃኑን ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ካርቱም ካብ ዘለዋ 59 ሆስፒታላት እተን 39 ገሊአን ብነፈርቲ ተወቒዐን ገሊአን ከኣ ሓይሊ መበራህትን ካለኦት ቀረባትን ስኢነን ኣገልግሎት ካብ ምሃብ  ኣቋሪጸን። ኣብታ ልዕሊ 5 ሚልዮን ነበርቲ ከም ዘለዉዋ ዝንገረላ ከተማ ካርቱም፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ነፈርትን፡ ኩሉ መሰረታዊ ቀረባት ስለ ዝተሳእነ ብዙሓት ካብ ነበርታ፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ብዝተረኽበ መጐዓዝያን ይሃድሙ ኣለዉ።

ካብቶም ተዋጋእቲ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳንን ቅልጡ ረዳኢ ሓይልን፡ ኣየናዮም እንታይ ተቖጻጺሩ ኣሎ ብንጹር ዘይተፈልጠ ኮይኑ፡ እቲ ዝኸበደ ውግእ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ካርቱም፡ ሃገራዊ ቤተመንግስቲ፡ መደበር ተለቪዥንን ላዕለዋይ መእዘዚ መደበር ሰራዊትን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ይሕብሩ ኣለዉ።

 ብዙሓት ሃገራት ኣብቲ ውግእ ኢድ ከም ዘለወን ስመን ዝጥቀስ ዘሎ ኮይኑ፡ ብንጹር “መን ምስ መን”  ብጋህዲ ከም ዝተሰለፈ ዝተገልጸ የለን። “ግብጺ ነቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ደጊፋ ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ትህብ ከም ዘላን፡ እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ድማ፡ ኣብ ሊቢያ ካብ ወገን ጀነራል ሃፍታን ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎን” ዝብሉ ግና  ብሰፊሑ ዝዝረበሎም ዘለዉ እዮም። እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ዘተ ክእተው ዝጽወዓ ዘለዋ ሃገራት ብዙሓት ኮይነን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብተን ቀንዲ ተውሳእቲ ኮይና’ላ።

Last modified on Friday, 21 April 2023 11:07