Print this page

ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2023

2023-04-18 17:06:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 820 times
Rate this item
(0 votes)

ሓደ ካብ ፖለቲካዊ ተልእኾታት ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019

 ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ካብ ዝበዓል ልክዕ 20 ዓመት ኮይኑ። እዚ ሓደ ካብቲ ሰዲህኤ ዝቕጽሎ ዘሎ  እወንታዊ ውርሻታት ተሓኤ- ሰውርዊ ባይቶ እዩ። ይኹን እምበር ብሰሪቲ ኣብ ምሉእ ዓልም ኣጋጢሙ ብዝጸንሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንሰለስተ ዓመታት ምብኳሩውን ምኽንያታዊ እዩ ነይሩ። እዚ ዓመት’ዚ ግን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኣገዳስነት ፈስቲቫል ከምወትሩ ኣዕዚዙ ስለዝርኣዮ፡ ድሮ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዚዙ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ኣብ ፍራንክፎርት ክግበር ከምዝኾነ ሓበሬታዊ መግለጺ ሽማግል ፈስቲቫል ኣቐዲሙ ኣመልኪት ኣሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ጽባሕ ራብዓይ ጉባኤ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)  ስለ ዝካየድ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ካልእ ሓደስቲ ምዕብልናታትን ናይቲ ጉባአ ዝግለጸሉ ብምዃኑ ፍሉይ ድምቀት ክህልዎ እዩ።

ፈስቲቫላ ኤርትራ፣ ማሕበራው፡ ፖለቲካውን ባህላውን መዳያት ምንጽብራቕ ካብ ቀንዲ ዕላማታቱ ኮይኑ፣ እቲ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ካብዝተፈላለየ ሃገራት መጺኡ ዝራኸበሉን ካብ ምንፍፋቑ ወጺኡ ናይ ዓመት ስንቂ ሕውነትን ፍቅርን ደሊቡ ናብ ንቡር መነባብራኡ ዝምለሰሉን ኩነት ስለ ዝፈጥር ኣገዳሲ ናይ ርክብ መኣዲ እዩ። ኮቪድ ዝባሃል ሕማም ግን ነዚኣውን ከሊኡና እዩ ነይሩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እንተኾነውን ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝኾነ ዜጋ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላልይ ዝጋባኣሉ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራትን ተራኺቡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝዝትየሉ፣ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ስለዝፈጥር፣ ተበሃጊ እዩ። ከመይሲ ሓደ ካብቲ ኣብ ሃገርና ጠሪሱ በዂሩ ዘሎ መድረኽ ሓሳባካ ናይ ምግላጽ መሰል፣ ኣብ ዓዲ ጓኖት ክትረኽቦን ከተስተማቕሮን ከለኻ፣ ንምርግጋጹ ክግበር ዘለዎ ቃልሲ ዘንህርን ዘተስፉን ስለዝኾነ እዩ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፎርት፣ ዝተዓደሙ መራሕቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውዳቤታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፣ ተወከልቲ ጀርመናዊ ሰልፍታትን ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርትን ካልኦት መሓዙት ኤርትራውያንን ዝሳተፍዎ ክኸውን ትጽቢት ክህሉ እንከሎ፣ ኩሉ ደላይ ለውጥን ዲሞክራስን ኤርትራዊ ዜጋ ድማ ኣብ ውራዩ ተሳታፋይ ስለዝኾነ፣ ፍሉይ መጸዋዕታ ኮነ ዕድመ ዝጽበ ኣይመስልናን። ዕድሜናን ትጽቢትናን ግን፣ ዋንነት ተሰሚዕዎ ንመጽእ ኣለና’ሞ እንታይ ክንሕዝ ክብል ከሎ እዩ ግርማኡ። 

በዚ መሰረት፡ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ ተቐማጦ ጀርመን፣ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ ቆጸራና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ይኹን።

ብዳሓን የራኽበና።

Last modified on Tuesday, 18 April 2023 19:10