Print this page

ኣብ ሱዳን፡ ውግእ ሕድሕድ ይካየድ’ሎ ጸብጻብ

2023-04-16 17:41:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 708 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ሱዳን ብ15 ሚያዝያ 2023 ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝእዘዝ ሃገራዊ ሰራዊትን ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ፡ ቅልጡፍ ረዳኢ ሓይልን ሕድሕድ ውግእ ተኸፊቱ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ከተማ ካርቱምን  ኣብ ከተማ መረውን ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መደበራት፡ ቤተ-መንግስትን መደበራት ሓይሊ ኣየርን እዩ ተጀሚሩ። ነቲ ውግእ መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ክልቲኦም ወገናት ምክሳስ ቀጺሎም ኣለዉ።

እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን፡ ነፈርቲ ውግእ ዝተጠቕመ ኮይኑ፡ እቲ ውግእ ኣብ ካለኣይ መዓልቱ ናብ ኩሉ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ልሒሙ። በዚ መሰረት ኣብ ከተማታት፡ ፖርትሱዳ፡ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ደማዚን፡ ካድጉሊን ኮስትን ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበራት ናይቲ ቅልጡፍ ረዳኢ ሓይሊ፡ በቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሓይሊ ሱዳን ከም ዝተታሕዙ፡ ሱዳን ትሪቡ ኣፍሊጣ። እቲ ብመሓመድ ደጋሎ ዝእዘዝ ሰራዊት ብወገኑ፡ መደበር ሓይሊ ኣየር መረዊ ተቖጻጺሩስ ኣብኡ ዝጸንሑ ወተሃደራት ግብጺ ከም ዝማረኸ ዘርኢ ምስሊ ዘርጊሑ።

ብሰንክቲ ውግእ ዝወረደ ሓፈሻዊ ዕንወት ብንጹርኳ እንተዘይተገልጸ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ብዝብልከት ግና፡ ክሳብ 16 ሚያዝያ 2023 ንግሆ 56 ሲቪል ሰባት ከም ዝሞቱን 600 ዝኾኑ ድማ ከም ዝቖሰሉ ናይ ሱዳን ማሕበር ሓካይም ሓቢሩ።

መጻኢ ኩነታት ሱዳን ዘተሓሳሰበን፡ ኣሜሪካ፡ ዓረብ ሊግ፡ ሳዑዲ ዓረን ሕቡራት ዓረብ ኢመሬትን፡ ክልቲኦም ወገናት ውግእ ኣቋሪጾም ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ክመጹ ጸዊዐን። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኖዮ ጉተርዝ ብወገኖም ብወሃብ ቃሎም ኣቢሎም፡  ውግእ ኣቋሪጾም ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ኣተሓሳሲቦም። እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ  “ብሓይሊ ከወግዶ እየ” ብዝብል መርገጾም ቀጺሎም ኣለዉ።

እቲ ናብዚ ውግእ ዘብጸሐ ጠንቂ ብመሰረቱ ናይ ስልጣን ውድድር ኮይኑ፡ ኣብቲ ክምስረት ዝሰረሓሉ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ክልቲኡ ሰራዊት ክተሓናፈጽኳ ኣብ ስምምዕ እንተበጽሑ፡ “መስርሕ ምትሕንፋጽ ክንደይ ግዜ ይውሰድ? ነቲ ዝተሓናፈጸ ሰራዊትከ መን ይምረሓዮ?” ኣብ ዝብሉ ግና ጐሊሖም ክንገሩ ዝጸንሐ ፍልልያቶም እዮም።

መሓመድ ደጋሎ ሕመቲ፡ ኣብዚ ከባቢና ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ። ብኣህጉራዊ ደረጃ ድማ ምስ ሩሲያ ዝምድና ዘለዎ እዩ። በዚ መሰረት ጉዳይ ሱዳን ናይ ብዙሓት ናይ ኢድ ኣዙር መዋግኢ ከይከውንን ነቲ ኣብ ዞባና ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ  መሊሱ ዘጋድዶ ከይከውንን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ፡ ጉዳይ ሱዳን ናብ ዝኸፈአ ወጥሪ ይዓርግ ምንባሩ ብምጥቃስ ብዕለት 14.04.2023 ኣጠንቂቑ ከም ዝነበረ  ዝዝከር እዩ።

Last modified on Sunday, 16 April 2023 19:56