Print this page

ኣብ ሱዳን ሓድሽ ወተሃደራዊ ጐንጺ የስግእ’ሎ

2023-04-14 07:19:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 808 times
Rate this item
(0 votes)

ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ድሕሪቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ዝበሃል ብጀነራል ደጋሎ ዝእዘዝ ሰራዊት ብዘይ ኣፍልጦኡ፡ ሓድሽ ወፍሪ ብምክያዱ፡ ብ13 ማዝያ 2023 ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ከም ዘውጸአ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ኣፍሊጠን። እቲ ሓድሽ ወፍሪ “ህጹጽ ራዳኢ ሓይሊ” ኣብ ከትማታት ካርቱምን ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ካብ ካርቱም 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ መረውን ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።

እቲ ወተሃደራዊ መጠንቀቕታ ዝወጸ፡  ምውፋር ናይቲ ሰራዊት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት  ናብተን ዝተጠቕሳ ከተማታት  ከም ዝተኻየደ ዝሕብሩ ጸብጻባት ምስ እተዘርግሑ ምዃኑ ተፈሊጡ።  ነበርቲ ከተማ መረዊ ናይቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ኣብ ከባቢቲ ናይ ሱዳንን ግብጽን ነፈርቲ ውግእ ዝርከባሉ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጸሐ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ከምዘይቀጸልዎ ተፈሊጡ።

ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡  ነቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ናይ ምኽባቡ መደብኳ እንተነበሮ፡ እንተኾነ እቲ  “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ምውፋሩ፡ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባትን ዕጸ-ፋርስን ንምቑጽጻር ምዃኑ ዝገልጽ ምኽንያት ከም ዝሃበ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቢል ዓብደላ ብኣንጻሩ ናይቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ሓድሽ ምንቅስቓስ ብኣፍልጦ ኮነ ብምትሕብባር ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ኮነ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን  ዝተኻየደ ከምዘኮነ ብምጥቃስ ተቓዊመምዎ።  እቶም ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ኣተሓሒዞም፡ ምንቅስቓስን ቦታ ምቕያርን  “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ኣንጻር መምርሒታት  ሃገራዊ ኮሚተ ጸጥታ ሱዳን ምዃኑ ጠቒሶም፡ በዚ ኣካይዳ እንተቐጺሉ፡ ናይታ ሃገር ጸጥታ ፈጺምካ ናብ ፍጹም ምዝራግን ዘይምርግጋእን ክመርሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም። ቅድሚ ሕጂ ብ29 መጋቢት 2023 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሰሚናር፡ ንምትሕንፋጽ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳንን ህጹጽ ረዳኢ ሓይልን ዝምልከት ብዘይምርድዳእ ከም ዝተሓለፈ ከኣ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መግለጺ  መጠንቀቕታ ኣብ መወዳእታ፡ ሰራዊት ሱዳን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ዝኸፈሎ ዘሎ ዋጋ ብምጥቃስ፡  ብዛዕባቲ እናሓደረ ዝዛይድ ዘሎ፡ ሃገራዊ ቦታኡ ዘስእን ሓደጋ ብዝምልከት ንፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚሉ እከሎ፡ ፍሉያት ልኡኻት፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ነርወይ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን በቲ ኩነታት ዝሓደሮም ስግኣት ዝምልከት ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ሱዳናውያን ሲቪላውን ወተሃደራውን  መራሕቲ እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጉምቲ ንክወስዱ ጸዊዖም።

Last modified on Friday, 14 April 2023 09:38