Print this page

ህወሓት ካብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ/ግብረ ሽበራ ወጺኣ

2023-03-22 15:35:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 748 times
Rate this item
(0 votes)

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብ22 መጋቢቲ 2023 ካብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ከም ዝወጸት ምንጭታት ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ፈደራላዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዜና ከም ዘረድኦ፡ ኣብዚ ፓርላማ ኢትዮጵያ ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ ዝወሰነሉ ፍሉይ ኣኼባ ካብቶም 547 ኣባላት ዝተሳተፉ 280 ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ብድምጺ ብልጫ ዝሓለፈ ውሳነ 61 ተቓውሞን 5 ተዓቅቦን ከም ዝተመዝገበ ካብቲ ዜና  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ብዛዓብቲ ኣጀንዳ መብርሂ ዘቕረቡ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጊደዎን ጢመቲዎስ፡  ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ጽልዋ ዝጸንሐን ልዕሊ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዋን  ህወሓት፡ ካብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ/ግብረ ሽበራ  ምውጸኣ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ሓጋዚ ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብቲ ፓርላማ ወኪል ፈደራላዊ መንግስቲ ኣቶ ተስፋየ በጅገ ብወገኖም፡ እቲ ህወሓት ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ክትሰፍር ዝተወሰነሉ ግዜ ዝነበረ ኩነታት ድሕሪ ውዕል ሰላም ከም ዝተቐየረ ዘረድእ መብሪ ሂቦም።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ዝሰፈረት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ “ጸረ ሕገመንግስታዊ መንገዲ ተኸቲላ” ብዝብል ፓርላማ ኢትዮጵያ  ብ6 ጉንበት 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኮይኑ፡ ሎሚ እዚ ውሳነ ተቐይሩ ካብቲ መዝግብ ዝወጸት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምዃኑ ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ብሰፊሑ ተገሊጹ።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሮም ካብ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም ዘለዉ ኮይኖም፡ ጌና ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ወሲኽካ ብዙሓት ሕቶ ዘልዕሉ ጉዳያት ተሪፎም ከምዘለዉ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 22 March 2023 16:54