Print this page

ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ገበናት ምፍጻሙ ከም እትርዳእ ኣፍሊጣ

2023-03-21 06:25:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 709 times
Rate this item
(0 votes)

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ 2022 ናይ ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ ምውጻኡ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ትግራይ  ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን  ኣብ ክልል ትግራይ ገበን ኣንጻር ማሕበረሰብ ከም ዝፈጸሙ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ  ውግእ ኩሎም ወገናት  “ገበን ውግእ” ምፍጻሞም  ከም ዝርድኡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ምግላጾም ኤ ኤፍ ፒ ሓቢራ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሚሪካ ብሊንከን ነዚ ክገልጹ እንከለዉ፡ እቲ ተግባራት ብዘይፍላጥ ዝተፈጸም ተራ ተግባር ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ተሓሲብሉ ዝተፈጸመ ገበናት ምዃኑ ምጥቃሶም ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ብሊንከን ኣተሓሒዞም ድሕሪ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣሜሪካ ምላሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ”ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ዕጡቓት ኣምሓራን” ብዝብል ዘርዚሮም፡ ኣብቲ ግዜ ውግእ ኩሎም “ገበን ውግእ” ከም ዝፈጸሙ ድሕሪ ብጥንቃስ፡ ነቲ ገበናዊ ፍጻመ ብምምዛንን ምስ ሕግታት ብምግንዛብን ገበን ከም እተፈጸመ  ተረዲአ ኣለኹ ኢሎም።

ብሊንከን ዝያዳ ንምብራህ ብዝብል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ብዝያዳ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ መልክዕ ጥሕሰታትን ከም ዝፈጸሙ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ዕጡቓት ኣምሓራ ብፍሉይ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ገበን ምምዝባልን ግዱድ ምስጓጉን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምፍጻሞም ዘርዚሮም።

ነቲ ኩነታት ኣብዚ እዋንዚ ምግላጹ ኣድላይን ኣገዳስን ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣንቶኒዮ ብሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ መገሸኦም ናብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝምልከቶም  ኣካላት፡ ቀጻሊ ሰላም ንክህሉ ነቲ ዝተፈጸመ ገበናት ኣፍልጦ  ምሃቡ ኣገዳሲ ብዛዕባ ምዃኑ ከም ዝተመያየጥሉ ሓቢሮም።

Last modified on Tuesday, 21 March 2023 07:28