Print this page

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ትግራይ ክበጽሑ እዮም

2023-02-14 11:10:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 803 times
Rate this item
(0 votes)

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብታ ብውግእ ዝተሃስየት ክልል ትግራይ ከም ዝበጽሑ ንቤት ጽሕፈቶም ብምጥቃስ፡ ጋዜጣ ሪፖርተር  ሓቢራ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ መገሻኦም ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝኽተም ንካለኣይ ግዜ እዩ።

ጉተረዝ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ንኢንተርኔት ዝምልከት ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ከም ዝነበሩን ንእግረ መንገዶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምትግባር ዝከኣሎም ክሕግዙ ቅሩብ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹን እቲ ዜና ኣረዲኡ።

በቲ  ናይ መገሻኦም መደብ ሓበሬታ መሰረት፡ ክልተ ዓላማታት ኣለዎም፡ እቲ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስታፍ  ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካለኣይ ድማ ናብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ እዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወትን ኩነታት ናይቲ ክውሰድ ዘለዎ መሕወይ ሰብኣዊ ስጉምትታትን ምትካል እግርን ክዕዘቡ እዮም። ብዘይካዚ ብሰንክቲ ውግእ ዝተሃስዩ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ክበጽሑ እዮም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ተራኺቦም ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ነቲ ብውግእ ዝተሃስየ ከባቢ ዝግበር ዳግመ-ህንጻ ክመያየጡ ምዃኖም እቲ ካብ ጋዜጣ ሪፖርተር ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ኣብ ቀረብ ኤለክትሪ፡ ቴለፎን፡ ባንኪ፡ ነዳዲን  መጐዓዝያን ይስራሕ ኣሎ። ንቀረብ መግቢ  ብዝምልከት  ድማ  ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡  ሕቡራት መንግስታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን 127 ሺሕ ሜትሪክ ቶን በበይኑ ዓይነት መግቢ፡ ብ4,100 ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ከም ዝበጸሐ እቲ ጸብጻብ ሪፖርተር ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Tuesday, 14 February 2023 12:15