Print this page

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታት ዝተዋረደሉ ኣጋጣሚ

2023-02-10 09:40:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 899 times
Rate this item
(0 votes)

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መድያ

ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብ9 ለካቲት 2023 ገይርዎ ዘይፈልጥ ምስ ፕረሲደንት ኬንያ፡ ዊልያም ሮቶ ኮይኑ ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ መድረኽ ምስ ተረከበ፡ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታትን ወከልቲ ናይ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ከም ዝተዋረደ ብዙሓት ነቲ ዝሃቦ መልሲ፡ ክትብሎ ዘሕፍር ሓሳባት ዝተኸታተሉ ርኢቶታቶም ይህብሉ ኣለዉ። እቲ ቅድሚ ናብ ምምላስ ሕቶታት ምእታዉ፡ ብዙሕ ዘህተፍተፈ ኢሳያስ፡ ዘይተጸበዮ ሕቶታት ምስ ቀረቦ ክጻወሮ ከም ዘይከኣለ ካብ ምንቅስቓሳቱ ብንጹር ይረአ ነይሩ።

ካብቲ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ማለት ካብ ቢቢሲ፡ ዋሽንግተን ፖስትን ኣሾሾይት ፕረስን  ዘቕረባ ናብ ኢሳያስ ዘተኮራ ሕቶታት ክጠቓለላ እንከለዋ፡ “ኣብዚ ርክብኩም ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ተዘራሪብኩምዶ? እቲ ዛዕባ ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደኸ ከመይ ርኢኹምዎ? ብዛዕባቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ዝበሃል ገበናት እንታይ ትብል? ስለምንታይ ኢኹም ንህላወኹም ኣብ ትግራይ ን5 ኣዋርሕ ሓቢእኩሞ ዝነበርኩም? ኣብዚ ውግእ ካብ ሰራዊት ኢርትራ ክንደይ ዝኣክል ሞይቱ ትብሉ? ብዛዕባ ምስግጋር ስልጣንን ምርጫን ኣብ ኤርትራ እንታይ ትሓስብ ወይስ ናይ ዕድመ ልክዕ ኣብ ስልጣን ምቕጻል መደብ እዩ ዘለካ?” ዝብላ ነይረን።

ቅድም ቀዳድም ኢስያስ ወዮ ሕቶ ክምልስ ቀሪቡስ ምሕታት ምስተጀመረ ኣዝዩ ስለ ዝተሰናበደ፡ እዝኑ ከም ዝጸንዖ ኣምሲሉ ብተደጋጋሚ “ይስመዓኒ የለን” ዝብል ምስምስ  ከቕርብ ፈቲኑ። ምስኡ ድማ ከምቲ ልማዱ ምስ ናይ “ድምጺ ሓፋሽ፡ ቲቪኤረን ሓዳስ ኤርትራን” ጋዜጠኛታት ዘሎ ግዲ መሲልዎ፡ ከፈራርሕን ክድህልን ዝደለየ እውን ይመስል ነይሩ።

ዘይሩ ዘይሩ ኣብቲ መልሲ ኢሉ ዝሃቦ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዘይናበብን ዝተቖራረጸን ሓረጋት “ወኪል ኢትዮጵያ ኣብዚ እንተዝህሉ ባዕሉ መብረሆ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብኢደ ወነና ክንኣቱ ኣይንደልን፡ ብዛዕባ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሰራዊት ካብ ትግራይ  ሰለ ዘይምልከተኩም ኣይትተዃትኹና፡ ኣብ ሽግር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከም ምኽንያት ኣይተቕርብዋ፡” ብዝብል ዘሕፍር ኣገባብ፡ ሳላ  ብውሕልነት ኬንያዊ ናይ ፕሮተኮል ሓላፊ ሃዲሙ ከይዱ። ነዚ ዝተዓዘቡ ጋዜጠኛታት ክሳብ ክንደይ ከም ዝድንጽዎም ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

 ብዛዕባቲ ኣዝዩ ርእሱ ዘዘሮን ዘሰንበዶን ንምርካብ ስልጣንን  ምርጫን ከምኡ እውን ንብዝሒ ኣብ ትግራይ ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ  ዝምልከት ሕቶታት ግና ብጩቕ ክበል ኣይከኣለን። በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ኣፈኛ ዓለምለኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራ ኣቶ ልኡል ዘውደ፡ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝረኸብናዮ ኢሉ፡ ኣብ ውግእ ትግራይ 35 ሺሕ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ከም ዝሞቱን 49 ሺሕ ድማ ከም ዝቖሰሉን ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ናይ ናይሮቢ ኣጋጣሚ ኢሳያስ ከምቲ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝለመዶ “ኣፍል ልቡ ወቒዑ ከይምለስ፡ ኣብ ዘይጸሮ ኣትዩ ከምቲ “ክረኣያ ክብላስ ይእረያ” ዝበሃል፡ ካብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ውርደቱ ብዝገደደ ዝተዋረደሉን ጉዳይ ጥዕናኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣተወሉን ኣጋጣሚ እዩ። መራሒ ኬንያ “ምስ መን ድየ ጸሚደ ጸኒሐ” ከም ዝብል ከኣ ፍሉጥ እዩ።

Last modified on Friday, 10 February 2023 11:01