Print this page

ኤርትራ ኣብ ዝርዝር ሃገራት ብዲሞክራስያዊ መዕቀኒ 

2023-02-09 18:46:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 762 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራ ኣብ ናይ 2022 ዝርዝር ሃገራት ብመንጽር  ዲሞክራስያዊ መዕቀኒ ካብተን ዳርጋ ዲሞክራስያዊ ኣሰር ዘየብለን ዝተባህላ ናይ መወዳእታ 22 ሃገራት፡ ካብታ መወዳእታ ዘላ ኣፍጋኒስታን ጀሚርካ ኣብ መበል 16 ሰፊራ ከም ዘላ “ግሎባል ስቴት ኦፍ ዲሞክራሲ/Global state of democracy” ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ ናይ 2022 ዝርዝር መጽናዕቱ ዘእተወን 167 ሃገራት እየን።

Global state of Democracy 2023ኣርማ ትካል፡ ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ኣብቲ መጽናዕቲ ዝቐረቡ መምዘኒ ነጥብታት፡ ናብ 5 ጉጅለታት ዝተጠርነፉ 60 ዛዕባታት እዮም። እቶም ሓሙሽተ ጥርኑፋት መምዘንታት፡ ምርጫን ብዙሕነትን፡ ሲቪላዊ ናጽነት፡ መንግስታዊ ንጥፈታት፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ህዝብን ፖለቲካዊ ባህልን ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ ጠቒሱ። ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ምክያድ በቲ ትካል ዝተጀመረ ብ2007 ኮይኑ፡ ካብ 2010 ድማ ብስሩዕ ዝወጽእ ዓመታዊ ጸብጻብ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቲ ንሃገራት ዝወሃብ መዕቀኒ ነጥቢ፡ እቲ ዝለዓለ 8 ወይ ካብኡ ንላዕሊ እዩ። ብመጽር እዚ ምሉእ ዲሞክራሲ የዘውትራ ንዝተባህላ ዝወሃብ ነጥቢ 8 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኮይኑ፡ ኤርትራ 2.03 ካብ 8 ብምርካብ እያ ካብ ጠቕላላ እተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ ሃገራት መበል 152፡ ካብተን ኣብ ዝለዓለ ምልኪ ዘለዋ 22 ሃገራት ድማ መበል 16 ተሰሪዓ ዘላ። ብመንጽር ናይተን ካለኦት ሃገራት ኩነታት ክረአ እንከሎ፡ እዚ ንኤርትራ ዝተዋህበ ነጥብን ደረጃ ዝተጋገነነ እዩ።

ብመሰረት እቲ ጠቕላላ ዝርዝር እተን ዳርጋ ምሉእ ዲሞክራሲ ኣለወን ዝተባህላ 24 ሃገራት ኮይነን፡ ካብኣተን እታ ቀዳመይቲ ነርወይ 9.81 ብምርካብ ኮይና፡ መበል 24 ድማ ደቡብ ኮርያ 8.03 ነጥቢ ብምርካብ እየን። ካብተን ኤርትራ እትርከበን ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ምልኪ ዘለዋ 22 ሃገራት ድማ ቀዳመይቲ ኣፍጋኒስታን 0.32 ብምርካብ ኮይና መበል 22 ድማ ሩሲያ 2.28 ነጥብታት ብምርካብ እየን።

እቲ መጽናዕቲ ንኩነታት ዝምድና ሃገራት ምስ ዩክረይንን ሩሲያን ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ እተን ኣብ ዝለዕለ ዲሞክራሲ ዝርከባ 24 ሃገራት ካብተን ንዩክረይን ዝድግፋ እየን። እተን ኣብ ሓያል ምልኪ ዝክረከባ ኤርትራ ዘላትን 22 ሃገራት ከኣ ምስ ሩሲያ ዝወገና ምዃነን እቲ መጽናዕቲ ኣርእዩ።

Last modified on Thursday, 09 February 2023 19:58