Print this page

ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ

2023-01-21 20:25:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 743 times
Rate this item
(0 votes)

ስእሊ  ማሕበራዊ መራኸቢ

ሰራዊት ኤርትራ ካብ 20 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ካብ ከተማታት ክልል ትግራይ ይወጽእ ከም ዘሎ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ሓቢራ።  እቲ ሰራዊት ብናይ መካይን ቃፍላይ ከም ዝወጸ ዝሓበረት እታ ማዕከን፡ ምውጻእ እዚ ሰራዊት ንትግባረ እቲ ድሕሪ ከቢድ ዕንወት ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም  ኣገዳሲ ምዕባለ ከም ዝኸውን ገሊጻ።

ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ዓብይ ዕንቅፋትን ብደሆን ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብዚ ድሕሪ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝሞትሉ ውግእ ብሰላም ንክፍታሕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኑ ኣንጻር ትግራይ ክዋጋእ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ኣካልቲ ስምምዕ ከምዘይነበረን በዚ ሕጉስ ከምዘይኮነን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ዝተፍላለዩ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብወገኖም፡ እተን ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝጸዕና ብዙሓት መካይን ካብ ሽረ ብኣንፈት ዓዲ ዳዕሮ ንወገን ሸራሮ ከም ዝተጓዕዛ ምስክርነቶም ሂቦም። ብዘይካዚ ነበርቲ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን እውን ናይቲ ሰራዊት ምውጻእ ኣረጋጊጾም፡ ኣብቲ ዝወጽሉ ዝነበረ ሰዓታት ጐደናታት ንዓኣቶም ጥራይ ተሓዚኡ፡ ምንቅስቓስ ካለኦት ኣካላት ተኸልኪሉን ኣገልግሎት ተለፎን ተቛሪጹን ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም።

ኣካላት ሰብኣዊ መሰልን ዝተፈላለዩ መንግስታትን በብግዜኡ ሰራዊት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዝተፈላለዩ በደላት ብምቅዋም፡  ካብ ትግራይ ክወጽእ ክጽውዑን እንተዘይወጺኡ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ከጠንቅቑን ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይን ኤርትራን ብዛዕባ ምውጻእ ናይቲ ሰራዊት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ስምምዕ ተዓዘብቲ ዝነበሩ ወገናትን ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

Last modified on Saturday, 21 January 2023 21:38