Print this page

ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ 2022

2023-01-16 19:26:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 676 times
Rate this item
(0 votes)

ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ኣብ 2021 ብዝነበረ ጸብጻብ መሰረት ልዕሊ 580 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕበን ወጻኢ ካብ  ሃገሮም ከም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋዜጠኛን እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውትን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ማርቲን ፕላውት ኣብቲ መጽናዕቱ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2022 ብዝተገብረ ዳህሳስ፡ እዞም መብዛሕተኦም  ግዳይ ስደትን ምሕታት ዑቕባን ክኾኑ ዝተገደዱ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ዝተኸተሎ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣስፊሩ።

 ንምኽንያታት ስደት ብዝምልከት ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ክገልጽ እንከሎ፡ ገደብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ናይ ጉልበት ምዝመዛን፡ ንነዊሕ ግዜ ብዘይፍርዲ ማእሰርትን ብኩራት ናጽነት እምነትን ካብቶም ቀንድታት እዮም ኢሉ ኣስፊርዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፡ ናይ ርኢቶኻ ምግላጽን ምሕሳብን ምቁጽጻር ከም ዘትርር ብምጥቃስ፡ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህድኣት ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

እቲ መጽናዕቲ ንፖለቲካውን ዲሞክራስያውን ሃለዋት ኤርትራ ክጠቅስ እንከሎ፡ ብዘይተመርጸ ውልቀሰብ  እትምራሕ፡ ሓጋጊ ኣካል፡ ናጻ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ናጻ መዲያን ናይ ፍትሒ ኣካላትን ዘየብላ ሃገር ኢሉዋ። ምስዚ ብዝዛመድ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሕጂ ዘይመንግስታዊ መድያታት ዓጽዩ ጋዜጠኛታተን ምእሳሩ ኣዘኻኺሩ፡ ኤርትራ ናጻ ካብ እትኸውን ምርጫ ዘይተኻየደላ ሃገር ክብል ጠቒሱዋ።

ህልዊ ምምሕዳር ኤርትራ፡ እቲ ዝተጠቕሰ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባራት ከመሓይሽ ይትረፍ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ምእታዉ፡ ኣብ ሰራዊት ዘጋጠሞ ጉድለት ንምምላእ ቀጻሊ ግፋ  የካይድ ከምዘሎ መስኪሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን ሰፊሕ ማእሰርትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ምፍጻሙ ይቕጽል ምህላዉ ኣቃሊዑ።

ማርቲን ፕላውት ኣብ መጽናዕቱ፡ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዘኣ እንተ ኣመሓየሸት” ብዝብል፡  ብ2021 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኮይና’ኳ እንተተመዘዘት፡ ብግብሪ ግና ጨቋኒ ኣተሓሕዛኣ ካብ ምትራር ሓሊፉ ለውጢ ከምዘየምጸአት ንኤርትራ ብዝምልከት ዝቐረበ ፍሉይ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ ኢሉ።

Last modified on Monday, 16 January 2023 20:41