Print this page

ብልሽውና ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

2023-01-12 19:07:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 763 times
Rate this item
(0 votes)

ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣዲስ ኣበባ)፡ ሕጋዊ ፓስፖርት ክወሃቦም ንዝሓቱ ኤርትራውያን፡ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ምስምሳት ፈጢሮም ብምንጻግ፡ ናብ ውልቃዊ ጅባኦም ዝኣቱ ገንዘብ እናኽፈሉ ክንህበኩም ከም ዝብልዎምን እቲ ዝህብዎም ፓስፖርት ከኣ ዘይሕጋዊ (forged) ምዃኑን ምንጭታት ሰዲህኤ ኣቃሊዖም።  

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም  ንሕክምናን ንዝተፈላለዩ ጉዳያትን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንክገሹ ካብቲ ኤምባሲ ፓስፖርት ዝሓቱ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ኤምባሲ መዝጊቡን ገንዘብ ኣኽፊሉን “ኣብ ዘለኹምዎ ኮይንኩም ብስልኪ ሕተቱ”  ካብ ምባል ሓሊፉ ዝህቦ  ተግባራዊ ምላሽ የለን። ኣማሪሮምን ተጨኒቖም ንዝሓቱ ከኣ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ፡ ኣብ ርእሲቲ ናብቲ ኤምባሲ ዝኣቱ ዓቐን ገንዘብ፡ ክሳብ 400 ዶላር ብላዕ (ጉቦ) ከም ዝሓትዎም ተፈሊጡ። እቲ ዘሕዝን ድማ እቲ ዝያዳ 400 ዶላር ብላዕ ምስ ወሰዱ ዝህብዎ ፓስፖርት ዘይሕጋዊ  (forged) ምዃኑ እዩ።

ካብቲ ሕጋዊ ፓስፖርት ንምሃብ ዘቕርብዎ ምኽንያት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓተትካዮ ፓስፖርት ንምርካብ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ወኪልካ ኣድራሻ ይሓቱ እሞ ዝመላእካዮ ቀጥዒ ንውሳነ  ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ስለ ዝኾነ፡  እቲ ወኪልካ እዩ ኣብ ኣስመራ ዝከታተለልካ ዝብል መልሲ ይህብዎ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤተሰብ ናይቲ ሓታቲ ፓስፖርት፡ ኣስመራ ናብ ዘሎ ኤሚግረሽን ከይዱ ብዛዕባ ፓስፖርት ናይቲ ዘመዱ ክሓትት እንከሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመልኦ ቀጥዒ (ፎረም)  ኣይበጸሐናን ብዝብል ክሳብ ረብሪቡ ዝገድፎ የመላልስዎ።

ንገለ ድማ ንሕክምናን ካልእ ጉዳያት ንወጻኢ ክኸዱ ፓስፖርት እናሓተቱ፡ ናብ ኤርትራ ዘምልስ ወረቐት (ሊሰፓሰ) ክንህበኩም ብዝብል ክጥብርዎም ከም ዝፍትኑ፡ ካብቶም ብሰንክዚ ብልሽዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ኤምባሲ ዝተኸላበቱ ኤርትራውያን ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ከምተን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ኤምባሲታት ናይታ ሃገር፡  ቀንዲ ስርሑ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድን ናይ ጸሊም ዕዳጋ ሸርፊ ገንዘብ ምውፋር ምዃኑ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት በብግዜኡ ዘቃልዕዎ እዩ።

Last modified on Thursday, 12 January 2023 20:43