Print this page

ዳይረክተር ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይመሓየሽ ኣሎ ኢሎም፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ጠቒሶም

2023-01-06 13:49:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 584 times
Rate this item
(0 votes)

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረክተር ጥካል ጥዕና ዓለም

ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ኣብ ትግራይ ቀረብ መግብን መድሃኒትን፡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን  ምምሕያሻት ይረአ ከም ዘሎ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ  ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት  ይፍጽሞ ኣሎ ብዝበልዎ በደላት ስኽፍታ ከም ዝሓደሮምን ኣረዲኦም።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ጥዕናዊ ጉዳያት ብ5 ጥሪ 2023 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ረዲአትን ከም ባንክን ቴለኮሚኒኬሽንን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ምምሕያሽ የርእዩ ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ጌና ተጠቃሚ ናይቲ ሰብኣዊ ረዲአት ዘይኮነ ከባብታት ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ዳይረክተር ኣተሓሒዞም እቲ ቀንዲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ብደሆ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ህላወን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዘውርዶ ዘሎ በደላትን እዩ  እውን  ኢሎም። ቀጺሎም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ንድሕሪት ንከይመልሶ፡ ሕብረተሰብ ዓለም  እቲ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ተጽዕኖኡ ከሕይል ጸዊዖም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ዝወጸ ዝሕብራ መዲያታትኳ እንተለዋ፡ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ከኣ ብዛዕባ ህላወ እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ እዮም ጸብጻባት ዘቕርቡ።

ኣዲስ ስታንዳርድ፡  ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብወገና ብ4 ጥሪ 2023  ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከም ዝነበሩን፡ ኣብ ጐደና ቻይና ጥቓ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ካሕሱ፡ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገለጹላ ኣስፊራ።

Last modified on Friday, 06 January 2023 14:55