Print this page

ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ኤርትራ

2022-12-28 10:00:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 574 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ኤርትራ ከባቢ ሰሜን ደንከል፡ ብ26 ታሕሳስ 2022 ብመዕቀኒ ሬክተር-ስኬል 5.5 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ፡ ቅልውላው-24/CRISSI-24 ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እቲ ምንቅጥቃት ዘጋጠመሉ ፍሉይ ቦታ፡ ካብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ 150 ኪሎሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ምስ ትግራይ ኣብ ዝዳወብ  ኮይኑ፡ ክሳብ 10 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ዕምቆት ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ጠቒሱ።

በዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ማእከላይ ከባቢ ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ከባቢ ዓዲ ግራትን ናይ ምንቅጥቃጥ ስምዒት ፈጢሩ ከም ዝነበረ እውን ተሓቢሩ።

ብሰንክዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ጉድኣተ ከም ዝወረደ ዝሕብር ጸብጻብ ሽዑንሽዑ ኣይቀረበን። ምናልባት ግና ኣብ ጥቓቲ ምንቅጥቃጥ ዝተፈጥረሉ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጻ ጉድኣት ወሪዱ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ። እታ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ኩነታት ዝተፈጥረሉ ቦታ ካብ መራኸብታት ዝረሓቐ  ስለ ዝኾነ፡ ድሒሩ ዝመጽእ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተፈልየ ጸብጻብ ክህሉ ይኽእል እዩ። ድሕሪቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብቲ ከባቢ ምንቅስቓስ ተገዲቡ ነይሩ  ዝኸውን ከም ዝኽእል ድማ እቲ ዜና ግምቱ ሂቡ።

Last modified on Wednesday, 28 December 2022 11:08