Print this page

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ንሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ ወሳኒ’ዩ ኢሉ

2022-12-27 09:42:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 700 times
Rate this item
(0 votes)

 ሕብረት ኤውሮጳ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ኣልጀርስ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሰላምን ምርግጋእን  ሰሜን ኢትዮዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ ዘሪፖርተር ሓቢሩ። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ፡ ምስቲ ንባድመ ንኤርትራ ዝወሰነ ብይን ዶብን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዳህሲሱ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኩለ-መዳያዊ ህድኣት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምኡ እውን  ሰላማዊ ዕቤት ምርግጋጽ ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን  ወሳኒ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣተሓሒዙ፡  ጐረባብቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ፡ ተጻብኦ ብቐጻሊ ናይ ምቁራጽ  ውዕል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብራ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ናይቲ ሕብረት መግለጺ፡ ኣገዳስነት ስምምዕ ኣልጀርስ 2000ን፡ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018ን ጠቒሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ትግራይ ንክወጽእ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ንትግባረ  እቲ ህውከት ናይ ምቁራጽ ውዕል  ወሳኒ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።

ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር  2020 ንደሓር ናብ ትግራይ ምእታዉ ክቃወም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰላማዊ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ’ውን፡ ጌና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸን በደላት ይፍጸም ከምዘሎን ክሲ የሰምዕን ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ተኸተመ፡ ንዕስራ ዓመታት፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት እቲ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ኣይተተግበረን። ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ዓብይ ግደ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዘየሳተፈ  ዝምድና መንጎ ኤርትራን ትግራይን ምሕዳሱ፡  ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዝተባርዐ ውግእ ዝውሰድ ምዃኑ’ውን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቒሱ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውዕል ኢትዮጵያን ትግራይን “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ይወጹ” ክብል እንከሎ፡ ንሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡  “እንተላይ ካብ ባድመ ማለት ድዩ?” ዝብል ክንጸር ይግበኦ ነይሩ ክብል እውን ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይቲ ስምምዕ ኣተገባብራ ተቖጻጻሪ ኣካል ነዚ ከነጽሮ ከም ዝግበኦ እውን ኣመልኪቱ።

Last modified on Tuesday, 27 December 2022 10:52