Print this page

ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡  ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም

2022-12-22 18:56:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 602 times
Rate this item
(0 votes)

ወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሸምገልትን (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ብ21 ታሕሳስ 2022 ኣብ ናይሮቢ ከም ዝተራኸቡን እዚ ርክብ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከም ዝቕጽልን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ናይዚ ርክብ ዕላማ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይሮብን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም መስርሕ ትግባረ ምግምጋም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት  ዕጽዊ ኣኼባ፡ ብዘይካ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ፡ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃል፡  ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኢጋድን ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብዚ ርክብ ጉዳይ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምዘዙ ተቖጻጸርቲ ጀነራላት ዝሰርሕሉ ኣገባብ ብዝምልከት ተሰማሚዕካ ቀጥዒ ምሕንጻጽን እቶም ቀንዲ ዛዕባታት እዮም።

ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረዲአትኳ ብዝተወሰነ እንተጀመረ፡ ምስ ስፍሓት እቲ ተጸባይ ሓገዝ ክርእአ እንከሎ እኹል ኣይኮነን። ንሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ተለፎንን ባንክታትን ዝምልከት እውን ውሱን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይሰለጠን። ናይዚናይ ዘይምስላጥ ጠንቂ ድማ፡ ናይቲ ጐኒንጐኒ ምውራድ ዕጥቂ ክፍጸም ዝነበሮ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊትን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ ስለ ዘይተተግበረ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ዝጸንሐ ዕንቅፋት እዩ።

እዚ 3ይ ዙር ናይ ናይሮቢ ኣኼባ፡ ኣብ ዕጽዊ ከም ዝካየድን ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝወሃብን ተፈሊጡ። ኣብዚ ዘተ ካብ ክልቲኡ ወገናት ይሳተፉ ናይ ዘለዉ ብኣስማት ኣይተጠቕሱን። ክልል ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ዲያስፖራን ተቓወምቲ ውድባትን ዝተወከልሉ 11 ኣባላት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ሰይሙ ኣሎ።

ገለ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘብዎ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ መስርሕ ትግባረ ስምምዕ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ዝከኣሎም ይጽዕሩ ከም ዘለዉን ብወገን ፖለቲከኛታት ግና ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ከምዘየለን ይገልጹ።

Last modified on Thursday, 22 December 2022 20:03