Print this page

ሱዳናውያን ሰብ ጉዳይ፡ ፖለቲካዊ ስምምዕ ከቲሞም

2022-12-05 22:56:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 635 times
Rate this item
(0 votes)

ሱዳናውያን ተወከልቲ ወተሃደራዊ ሓይልን ሓይልታት ለውጢ ንናጽነትን ብ5 ታሕሳስ 2022 ኣብ ከተማ ካርቱም መጻኢ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎም ስምምዕ ፖለቲካዊ ቻርተር ከም ዝኸተሙ መርበብ ሱዳን ትሪቡን/SUDANTRIBUN ኣፍሊጣ። ኣብ ርእሲ ምኽታም ፖለቲካዊ ቻርተር፡ እቶም ዝኸተሙ ናይ 2019 ሕገ-መንግስታዊ ኣዋጅ ንምስራዝን ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ዕልዋ 25 ሕዳር 2021 ኣዋጅ መሊስካ ንምግምጋምን ከም እተሰማምዑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ናይ ጁባ ስምምዕ ዝበሃል በዚ ሓድሽ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ክትካእ እዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ ሱዳን ሓደ ሞያዊ ሃገራዊ ሰራዊት ጥራይ ክምስረትን እቲ ህጹጽ ሓይሊ ዝበሃል ኣካል ናብቲ ሃገራዊ ሰራዊት ክጽንበርን ዝሕብር ኮይኑ፡ ብዘይካቲ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ፡ ብስም ሰራዊት ወፍርን ንግድን ምክያድ ይኽልክል።

እቲ ሰነድ ህያውነት ፖሊሲ ተሓታትነት፡ ፍትሕን መሰጋገሪ ፍትሕን ደጊሙ ምርግጋጹን፡ ገበናት ውግእ፡ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዲሞክራሲን ድሕሪ ዕልዋ ሕዳር 2021 ዝተኻየደ ቅትለትን ብመንጽርዚ ህያው ፖሊሲ ከም ዝረኣዩ ኣነጺሩ። በቲ ዝተኸተመ ሰነድ መሰረት፡ ናይ ሱዳን ርእሰ-ብሄር ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ክኸውን እዩ።

እቲ ናይ ክልተ ዓመታት መሰጋገሪ ግዜ፡ ብሓይልታት ናይቲ ለውጢ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምስያም ክጅምር እዩ። እቲ ሰነድ ከም ዝጠቕሶ ብ2019 ኣጋጢሙ ዝነበረ ምድንጋራት ንከይድገም፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ዳይረክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸጥታ ክመዝዝ እዩ። ናይታ ሃገር ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ ንኹሎም ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ክቆጻጸር እዩ።

በዚ ሕድሽ ስምምዕ መሰረት ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ሓጋጊ ባይቶ፡ ርእሰ-ብሄርን ናይ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ናጻ ኮሚሽናትን ክህልዉዎ እዮም። እቲ ሰነድ ካብ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሓጋጊ ባይቶ ኣባላት 40% ደቂ ኣንስትዮ ንክኾና ዘተባብዕ እዩ።

እቲ ስምምዕ ቅድሚ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ቆላሕታ የድልዮም ዝብሎ ኣርባዕተ ዛዕባታት ተጠቒሶም። ንሳቶም፡ ፍትሕን መሰጋገሪ ፍትንሕን፡ ጸጥታዊ ምትዕርራይ፡ ምግምጋም ስምምዕ ሰላም ጁባን ፈጺምካ ምውጋድ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽርን እዮም።

.

Last modified on Tuesday, 06 December 2022 00:06