Print this page

ኦሊሰጎ ኣቦሳንጆ ካብ መቐለ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዕም፡

2022-11-24 18:39:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 663 times
Rate this item
(0 votes)

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኦሊሰጎ ኦባሳንጆ ብ24 ሕዳር 2022 ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝበጽሑን፡ በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም መሰረት “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ይግባእ” ከም ዝበሉን ድምጺ ወያነ-ትግራይ ሓቢራ። በቲ ካብ ድምጺ ወያነ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ዕላማ ዑደት ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመስርሕ ትግባረ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምሕጋዝ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ተቐቢሎም ዘዘራረብዎም ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ብወገኖም፡ ነቲ ዝተኸተመ ስምምዓት ብዝምልከት ኣብ ናይ ህዝብን ሰራዊትን መድረኻት ምርድዳእ ይግበር ከምዘሎን፡ ኣብ መዲያታት እውን ነቲ ስምምዓት ቆላሕታ ብምሃብ መግለጽታት ይወሃበሉ ከምዘሎን ገሊጸምሎም። ኣብ ትግራይ በዂረን ዝጸንሓ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት፡ ናብ ንቡር ክምለሳ እየን ብዝብል ተስፋ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ እውን ዶ/ር ደብረጼን ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ገሊጸምሎም።

ዶ/ር ደብረጼን ኣተሓሒዞም ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጌና ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ንጹሃት ዜጋታት ግፍዒ የውርድን ነቲ መስርሕ ሰላም ዘሪጉ ናብ ውግእ ክመልሶ ይጽዕር ከምዘሎን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ካብቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዛተዩ ሓደ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ብወገኖም መስርሕ ትግባረ ውዑል ሰላም ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ወከልቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ኣብ ከተማ ሽረ ከም ዝራኸቡ ምግላጾም ድምጺ ወያነ ጠቒሳ።

Last modified on Thursday, 24 November 2022 19:47