Print this page

ዝምድና ረብሓ ኣሜርካን ጉዳይ ኤርትራ

2022-11-10 22:53:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 704 times
Rate this item
(0 votes)

ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብመንጽር ምልዋጥ፡ ናይ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ስግኣት ምዃን፡ ኣብ ፖለቲካ ደሞክራስያዊ ባህሊ ዘውሕስ ለውጢ ዘይምትእትታው፡ ንሃይማኖታዊ ነጻነት ወሲኽካ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዘይምኽባርን ቁጠባውን ልምዓታውን ጽገናታት ዘይምትእትታውን ከም ዝምስረት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብ7 ሕዳር 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ።

 እቲ ካብ ግዜ ናጽነት ዝጅምር ነቲ ነዊሕ ድሕረባይታ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ዝዳህሰሰ መግለጺ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ዋላኳ እቲ ዝተሓልፈ መስርሕ ብዙሕ ብደሆታት ዝነበሮ እንተኾነ፡ መንግስቲ ኣሚሪካ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ዝምድና ኣብ  ባህላዊ መዳይ  ከይተረፈ፡ ዝህልዎ ዝምድና ከም ዝቕጽሎ ኣብሪሁ። ምስ ኤርትራ ብመንጽርቲ መንግስቲ ከቕርቦ ዝጸንሐ ብሓፈሻ ናይ ምትሕግጋዝ ጠለባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ኣብ መንጎ ክልቴን ዝምድና ከምዘየለ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። 

በቲ መግለጺ መሰረት፡ መግስቲ ኤርትራ ኣብ ቁጠባ ናይታ ሃገር ጽኑዕ ምቁጽጻር እዩ ዝገብር። ንንግዲ ኣብ ዝምልከት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ዝምድና ኣዝዩ ንኡስ ኮይኑ፡ ንሱ እውን ኣብ ዘይምትእምማን ዝተሰረተ እዩ። ኤርትራ ኣባል ናይ ሓባር ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃን እያ። እዚ ኣካልዚ ድማ ምስ ኣሜሪካ ስምምዕ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ብሕታዊ  ገዛኢ ሰልፊ  ህግዲፍ፡ በዚ ገዛኢ ሰልፊ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝጽለዉ ኮባንያታት ሕድርን ቀይሕ ባሕርን፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ክልተ ላዕለዎት ሓለፍትን ገንዘባዊ እገዳ ከም ዝወሰነት እዚ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዘጋርዲያን/THE GAURDIAN ዝተባህለ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ጋዜጣ ብ10 ሕዳር 2022 ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናይ ትግራይ ሓይሊ ዕጥቁ ክፈትሕኳ ኣብ ስምምዕ እንተተበጽሐ፡ ናይቲ ስምምዕ ኣካላት ዘይኮኑ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራንከ መዓስ እዮም ካብ ትግራይ ዝወጹ? ዝብል ኣተሓሳሳቢ ሕቶ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ኣብ ትግራይ ክዋጋእ ከም ዝጸንሐን እቲ ዝኸፈአ ግፍዕታት ዝፈጸሞ ንሱ እዩ ተባሂሉ ከም ዝሕመን ድማ ዘጋርዲያን ኣቃሊዑ።

Last modified on Friday, 11 November 2022 00:00