Print this page

ኣብ ሱዳን፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ናጻ ወጺኦም

2022-11-01 08:41:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 618 times
Rate this item
(0 votes)

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ቶከር፡ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ተጨውይም ዝነበሩ 18 ኤርትራውያን ናጻ ከም ዘውጽኡ ንመርበብ  ኣል-ሱዳኒ ብምጥቃ ሬድዮ ኤረና  ሓቢራ።

እቶም ጨወይቲ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2022፡ ምስቶም ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ድሕሪ ዘካይድዎ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ነቶም ኣእጋሮም ብሰንሰለት ተኣሲረም ዝነበሩ ኤርትራውያን ገዲፎምዎም ከምዝሃደሙ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቶም ዶላባይ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ን22 መዓልታት ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ግዳያት ነፍሲ ወከፎም 60 ሺሕ ዶላር ንኸፍሉ እሞ ክፈትሕዎም፡ እቶም ጨወይቲ ምስ ስድራቤት ናይቶም መንእሰያት ርክብ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ እቲ ዜና ጠቒሱ። ነዞም ኤርትራውያን ናጻ ዘውጸኦም ሰራዊት ሱዳን መበል 46 ብሪጌድ እዩ።

እቲ ሰራዊት፡ ነቶም ኤርትራውያን ሓራ ምስ ኣውጽኦም፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ናብ ዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ከምዝሓበረ ተሓቢሩ።

እቲ ስርሒት፡ ብኣዛዚ ብርጌድ 46 ብርጋዴር ጀነራል ሓፊዝ ኣል ኣሚን ኤልያስን፣ ኣዛዚ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሱዳን ናይ እትርከብ መበል 12 ክፍለሰራዊት ከም ዝተወሃሃደ መርበብ ሓበሬታ ኣል ሱዳኒ ብምጥቃሳ ኤረና ሓቢራ።

ቶከር፡ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ንዝርከባ ከባቢታት ቅሮራን ራስ ቄሳርን ቅርበት ዘለዋ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተደኮነት፡ ኣጻምእ ዝበዝሖ ሓውሲ ከተማ ሱዳን’ዩ።

Last modified on Tuesday, 01 November 2022 09:50