Print this page

መግለጺ ሰነይተር መነንደዝ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ

2022-10-17 08:49:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 716 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ሰኔት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቦመንበር ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ሰነይተር ቦብ መነንደዝ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብ16 ጥቅምቲ 2022 መግለጺ ኣውጺኦም። እቲ መንገለጺኦም ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ድሕሪ ከም ሓድሽ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ውግእ ምጅማሩ ናይ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ  ግህሰታትን ናይቲ ተግባር ተሓተትን ዝምልከት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኦም ተመልኪቱ። 

እቲ መግለጺ፡ እቲ ቀጻሊ ዘሎን ድሮ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለን  ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ጐንጺ፡ ጥሜትን ስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ከም ዘስዓበ ጠቒሱ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ንነጀው ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ጥራ ናይ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ህይወት ኣጥፊኡ ተባሂሉ ከም ዝግመት ኣስፊሩ። እቲ ውግእ ድሕሪ ንሓመሽተ ኣዋርሕ ጠጠው ኢሉ ምጽንንሑ ዳግማይ ምቕጻሉ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ኣብ ሓደጋ  ዘውዲቑ ከም ዘሎ  ድማ  ኣብቲ መግለጺ ናይቶም ኣሜሪካዊ ሰነይተር ተጠቒሱ።

ሰነይተር ቦብ መነንደዝ፡ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ  ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ጸዊዖም፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብ ኣሕመድ ድማ “ነቶም ኤርትራውያን ዕሱባት ካብ ኢትዮጵያ ንክወጹ ኣዝዞም፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርካዮ ዘለኻ ጨቃን ዕጽዋ ከኣ ኣልዕሎን” ዝብል ትርር ዝበለ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ንክልቲኦም ኣካላት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ድማ ብዘይቅመ- ኩነት ናብ መስርሕ ዘተ ክምለሱ ጸዊዐሞም።

 እቶም ሰነይተር ወግእ ጠጠው ከይበለ’ውን፡ ሰኔት ኣሜሪካ በቲ “ኢትዮጵያ ሰላምን ዲሞክራስን ግብራዊ ውሳነ 2021” ዝብል ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ውሳነ እማመኦም መሰረት፡ ውሳነ ንክውስን ናይ ምርድኡ መደብ ከም ዘለዎም ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶም። በዚ መሰረት ዝሓልፍ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጻብኦ ጠጠው ንምባል ዘይቅበሉ ኣካላትን ኣጽዋር ዘቕርቡን ወገናትን ቀጻዒ ስጉምቲ ዘውስድ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ፡ ብሓፈሻ መንግስቲ ኣሜሪካ ብፍላይ ድማ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ናይታ ሃገር፡ ምስ ገበን ውግእ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ጽንተት ደቂ ሰብን ዝምድና ዘለዎም ተግባራት፡ ኣብ ምልላይ ክደናጐዩ ከም ዘይግበኦም ኣዘኻኺሩ። ነዚ ዝምጥን ኣብ ልዕሊ ብገበን ተሓተቲ እገዳታትን ተመሳሳሊ ስጉምትታትን ብቕልጡ ክውሰድ ድማ ጸዊዑ።

Last modified on Monday, 17 October 2022 10:58