Print this page

ህግደፍ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ዝብሎም ናብ ውግእ ክኸቱ ጸዊዑ

2022-09-16 10:22:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 761 times
Rate this item
(0 votes)

ስርዓት ህግደፍ ኩሎም “ዑቑር ሰራዊት” ዝብሎም ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ክኸቱ ብመንገዲ ምምሕዳራዊ መሓውሩ ከም ዝጸውዖም ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት እቲ መጸዋዕታ ካብ 14 መስከረም 2022 ከም ዝተተግበረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ብዘይእዉጅ ናብ ግንባራት ዝተወስዱ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣባልነት ዕቑር ሰራዊት ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ንዘለዎም ዘጠቓልል እዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሽኳ እንተዘይኮነ፡  ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ብምህላዉን ዜጋታት ኣብ ጐደናታት ከይተረፈ ናይ መንነት ወረቐት ከርእዩ ይድገዱ ስለ ዘለዉን ኣብ ህዝቢ ዓቢይ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣሕዲሩ ከም ዘሎ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቶም ኣባላት ዕቑራት ሰራዊት ኮይኖም ኣብ ግላዊ ጉዳዮም ዝጸንሑ ዝምልከት ኮይኑ፡ እቶም ኣብ መንግስታዊ ኣካላት ዘለዉ ግና “ትሑዛት እዮም” ብዝብል ኣብዚ ናይ ሕጂ ዙርያ ከምዘይተጸውዑ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

እዚ ኣገዳዲ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ እሞ ምምሕዳር ህግደፍ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ዓቕሙ ዝሳተፈሉ ዘሎ ውግእ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኤርትራ ኢድ ምእታዋ ጥራይ ዘይኮነ ገዚፍ ሰራዊትን ኣጽዋርን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብባሕርን ብኣየርን ብቐጻሊ ናብ ኤርትራ ይጐዓዝ ከም ዘሎ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣሻቒልዎ ዘሎ ኩነታት እዩ’።

ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለያ ኣህጉራውን ዓለምለኻው ኣካላት፡ ግደ ኤርትራ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ምግዳዱ ስለ ዝኾነ፡ ሰራዊታ ካብ ውግእ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ይጽውዓን የጠንቅቓን ኣለዋ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ደማ ጉዳዮም ብሰላማዊ መንገዲ ከይፈትሑ ይዕንቅፍዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ሓደ፡ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ምዃኑ ብምግላጽ  ህግደፍ ኢዱን እግሩን ክእክበሎም  ይምሕጸኑ ኣለዉ። ምምሕዳር ህግደፍ ግና ነቲ ደቁ ኣብ መሬት ትግራይ ዝሃልቁ ዘለዉ ህዝቢ ኤርትራኳ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

Last modified on Friday, 16 September 2022 12:34