Print this page

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይደን

2022-09-09 17:44:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 752 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ8 መስከረም 2022 ብደቂ ኣንስትዮ ዝተወደበን ንሰላም ዝጽውዕን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።  እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ  ዘቤታዊ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያውያን ነቲ  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ብሰላም ክፍታሕ ዝጠልብን ተበግሶታት  ተወሳኺ ዓቕሚ ከም ዝኸውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደባ ኢትዮጵያውያን ትካላት፡ መርበብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ እስትራተጅያዊ ተበግሶ ደቂ ኣንስትዮ ቅርኒ ኣፍሪቃን ቲምራን ዝተባህለት ማሕበርን እየን። እዚ በዘን 3ተ ናሕበራት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድላይነት ሰላም፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ብሰንኪ ውግእ ዝኽተል ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዘንጸባርቑ ጭረሓኦታት ሒዙ ከም ዝወጸ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ካብቲ ጭረሖታት “ ብውግእ ዝፍታሕ ዘይምርድዳእ የለን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓውዲ ውግእ ኣይኮናን፡ ውግእ መሳርሒ ዕቤት ዘይኮነ፡ ጠንቂ ጥሜት፡ ስደትን ዕንወትን እዩ” ዝብሉ ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መጸዋዕታ ሰላም፡ ምስቲ 35 ኢትዮጵያውያን  ሲቪል ማሕበራት ብ7 መስከረም 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣክይደን ብዘውጸአኦ መግለጺ ዘቕረበኦ ተመሳሳሊ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ካለኣይ ተበግሶ እዩ። እተን 35 ሲቪል ማሕበራት  ብደረጃ ኣኼባ ኣብ ዘንጸባረቐኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሰላም ንክሰፍን ውግእ ጠጠው ክብል፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሩ ዘሎ መሰረታዊ ቀረባት ናብ ንቡር ክምለስን ኣብቲ ዓሌታዊ ውግኣት ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ዝብሉ ህጹጻት ጠለባት ተንጸባሪቖም እዮም።  

እዚ ተበግሶታት ሰላም ኢትዮጵያውያን  ዝረአ ዘሎ፡ ነቲ  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጠጠው ኣቢልካ ናብ መስርሕ ሰላም ንምእታው፡  ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃን ካለኦት ዲፕሎማትን ምስ ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ጽዑቕ ርክባት የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዩ።

Last modified on Friday, 09 September 2022 19:53