Print this page

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክትወጽእ

2022-09-03 09:55:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 782 times
Rate this item
(1 Vote)

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጹን ካብ 4 ክሳብ 15 መስከረም 2022 ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየሪ ብወገነን ኣሜሪካ ንናይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታው ከም እትኹንን ምግላጸን መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።  

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ  ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተራኺቦም እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብህጹጽ ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም ዘተ ንክጅመር ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣሜሪካ ከም ዘቕርቡ ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ኢትዮጵያ  ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መግስትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ባእታታትን ተራኺቦም ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጸሉ ብዛዕባ ዝኽእል መንግዲ ከም ዝዛራረቡ ተሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ልኡላውነትን ክሕለው ከም እትደሊ ተመልኪቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እተን ወሃቢት ቃል ኣተሓሒዘን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ከብልን ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልሎም ወጻኢ ዘካይድዎ ውግእ ከቋርጹን ጸዊዐን።

ብኻልእ ወገን ድማ ሚኒስተር ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪታንያ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ክትወጽእ ሓይልታት ትግራይ ድማ ካብ ትግራይ ወጻኢ ካብ ዘሎ ቦታታት  ክስሕብን ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ክቕጽልን ተማሕጺነን።

 

Last modified on Saturday, 03 September 2022 12:10