Print this page

መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2022-08-21 22:06:49 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 1120 times
Rate this item
(0 votes)

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ13፡ 14ን 20ን ነሓሰ 2022፡ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ  ኣብ ከባቢና ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ፡ ተሃዋሲ ኩነታት ዝተኻየደ ብምዃኑ ኣኼባ ባይቶ ብመንጽርዚ ዘለዎ ዕዙዝ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን ኣገደስትን ዛዕባታት ብዕምቆት ዘትዩ፡ ውሳኔታት’ውን ኣሕሊፉ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)  መእተዊ ቃል ኣስሚዑ፡ ኣኼባ ዝመያየጠሎም ኣጀንዳታት ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ኣጽዲቑ።

ማእከላይ ባይቶ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ባይቶ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ንድፊ ጸብጻብ፡  ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ብሰፊሑ ተመያይጥሉ። ከምኡ እውን ብጠቕላሊ ተቖጻጻሪ ሰዲህኤ ንዝቐረበ ዓመታዊ ናይ ገንዘብን ንብረትን ጸብጻብ ሰሚዑ ዘትይሉ። ድሕሪ ኣገዳሲ ዝርርብ ድማ ምስ ኩሉቲ ዝተገብረ ምትዕርራያት ነቲ ጸብጻባት ከም ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቕዎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ድማ ንመጻኢ ክዕመሙ ይግበኦም ኣብ ዝበሎም ኣገደስቲ ነጥብታት ውሳነታት ወሲኑ። ሓደ ካብቶም ኣኼባ ባይቶ ቆላሕታ ሂቡ ዝወሰኖም ጉዳያት ውሽጣዊ ዓቕሚ ሰልፊ ምሕያል ዝምልከት ኮይኑ፡ ንምዕዋት ናይቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብምሉእ ዓቕሚ ኣባላት ሰልፊ ክስረሓሉ ከም ዝግባእ ኣዕዚዙ ርእይዎ። 

ማእከላይ ባይቶ ጉዳይ ጸብጻባት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ነቲ ኣኼባ ክትመርሕ ብዝመዘዛ ሽማግለ እናተመርሐ፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስትን እዋናውያንን ዛዕባታት ፍሉይ ግምት ብምሃብ ዘትዩን ኣድለይቲ ዝበሎም ውሳነታት  እሕሊፉን።

1) ጉዳይ ሓባራዊ ዕዮ ደንበ ተቓውሞ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን መሰረታዊ ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ ስሩዓትን ፍሉያትን ትካላዊ ኣኼባታቱ  ዝሓለፉ ውሳኔታት ተሞርኲሱ ሰፊሕ ገምጋም ኣካይዱ።

ኣብዚ ገምጋሙ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ሰዲህኤ ብወግዒ ዘውጽኦ 4ተ ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ብሓባር ምስራሕ እማመ ብምዝካር፡ ብፍላይ ከኣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምሉእ ዓቕሙ፡ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐ መዚኑ። ውጽኢቱ ግን ክንድቲ ዝተጸበዮ ከምዘይኮነ ተረዲኡ። እዚ ማለት ግን እቲ ክዋሰኣሉ ዝጸንሐ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ምሉእ ብምሉእ ናይ ክሳራ ግዜ ነይሩ ዝበሃል ከምዘይኮነን፡  ፖለቲካዊ ሓይልታት ነንሕድሕዶም ብግቡእ ኣብ ምልላይን ሓቢርካ ኣገደስቲ ሰነዳት ኣብ ምጽዳቕን ኣወንታዊ ተሞኩሮ ዝተመዝገበሉ ምንባሩ ኣኼባ ተገንዚቡ። 

ኣብ መጻኢ እውን ጉጅለ ህግደፍ ስዒርካ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ፡ ንሓቢርካ ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ካልኦት ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ባእታታትን ሓቢሮም ዝቃለስሉ ሰፊሕ መድረኽ ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቕጽሎን ኩሉ ነዚ ዘዕውት ዳህሳሳት ካብ ምክያድ ከምዘይበኩርን ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ንውጻኢት ሕድሕድ ምርድዳእ ዓቂቡ፡ ካእባዊ ዝምድናታት ንምሕያል ከም ዝጽዕት ርእዩ። ንናይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣሰታትፍኡ ንምሕያልን ምድልዳልን ውሽጣዊ ሰልፋዊ ዓቕሚ ብዘይዕንቅፍ ክተሓዝ ምዃኑ ድማ፡ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ወሲኑ። ሕቶ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ናይ ኩሉ ናይ ለውጢ ሓይሊ ሓላፍነት እምበር፡ ናይ ዝተወሰነ ወገን ጥራይ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ኩሎም ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብዚ መዳይዚ  ካብ ነፍሲ ወከፎም ዝድለ ኣስተዋጽኦ ከበርክቱ  ኣኼባ ጸዊዑ።

2) ኣብ ከባቢና ዘሎ ምዕባሌታትን ሕቶ ዝምድናታትናን

 ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብዚ ኣኼባኡ ሰፊሕ ግዜ ሂቡ ዝመዘኖ ካልእ ጉዳይ ኣብ ከባቢና ክምዕብል ዝጸንሐ እሞ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ጽልዋን ተጽዕኖን ዘለዎ፡ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ውግእ ምዝሓሉን ናይ ሰላማዊ መፍትሒ ተስፋታት ይረአ ምህላውን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መስርሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ቀንዲ ዕንቅፋት ይኸውን ብምህላዉን ካብ ዝሓዞም ቦታታት ትግራይ ንኽወጽእ ሕብረተሰብ ዓለም ንዘቕረበሉ ጻውዒት ዘይምቕባሉን ኣኼባ ተገንዚቡ።

ሰዲህኤ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተፈጥረ፡ ፍልልይ፡ ብዘተ ክፍታሕ ዝግብኦ ክነሱ፡ ንውግእ ከም መፍትሒ ምውሳድ ግጉይ ምርጫ ምንባሩ ብምግንዛብ፡ ንኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢታት ዝርከብ ህዝብን ንብረትን ክወርድ ዝጸንሐ ህልቂትን፡ ዕንወትን ዕጽዋታትን ብምኹናን ክወስዶ ዝጸንሐ መርገጻቱ ቅኑዕ ምንባሩ 4ይ ኣኼባ ባይቶ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ እዋንዚ ኩሉዚ ግህሰታትን ዕጽዋታትን ክሃድእን በዂሩ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቀረባትን ክቐርብ ምጅማሩን ናይ ምዝታይ ተስፋ ክቀላቐል ምኽኣሉን ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ሰዲህኤ ሚዛናትን ምሕጽንታን ዘሳኒ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ደገፉ እናገለጸ፡ እቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ቀጺሉ ብዓወት ንኽዛዘም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ፖለቲካዊ ውሳነን ዝምድናን ዝምልከት ፖሊሲ ሰዲህኤ መሰረት ብምግባር፡ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፡ ንናይ ክልቲኦም ሰላምን ረብሓን ከምኡውን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክተሓዝ፡ ቅድሚ ሕጂ  ሰዲህኤ ዘሕለፎ ውሳኔ ህያው ኮይኑ ክቕጽል  ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ንምትግባሩ ብምሉእ ዓቕሙ  ክሰርሓሉ  ኣኼባ ባይቶ ዳግማይ ወሲኑ።

ኣኼባ ባይቶ ነቲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘለዎ ጽኑዕን ንጹርን መርገጽ ብዝምልከት ከውጽኦ ንዝጸንሐ  መግለጽታት ኣመጒሱ።  ብኣንጻሩ ገለ ተጋሩ፡ ብውልቀን ብእኩብን ናይ ብሕቲ መዲያታትን ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ዘካይድዎ ዘይሓላፍነታዊ ጐስጓሳት፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘይጠቕሞ ክቑጠብሉ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ኣብ ምውጋድ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ግደኡ ከበርክት ኣኼባ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼባ ባይቶ ንዝምድና ኣብ ዝምልከት ቆላሕታኡ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ/ትግራይ ከይተደረተ፡  ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ዘርእዮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት፡ ኣንጻር ረብሓን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ምዃኑ ብምርዳእ፡ ሰዲህኤ ነዚ’ውን ግቡእ ኣቓልቦ ብምሃብ ከም ዝከታተሎ ተገንዚቡ።

ስርዓት ህግደፍ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፈጠሮ ወጥርታት  ከይኣኽሎ፡ ምስ ወረርቲ ተመሓዝዩ ንሃገርና ኣብ ካልእ ጸሊም መዝገብ የእትዋ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ደጊፉ ምስ ሩስያ ምውጋኑ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ታይዋን እውን ምስታ ክትውሕጣ እትደሊ ዘላ ቻይና ምስላፉ፡ ኣኼባ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ህግደፍ ኣውጊዙ።

3) ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣኼባ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብዛዕባ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣጸጋሚ ህይወት ብዝምልከት ተመያይጡ። ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝተባረዐ ውግእ ዘጋጠሞም ጸገማት ብሰፊሑ ዳህሲሱ።

ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንክቲ ውግእ ተመዛቢሎም፡ ኣብ ኩሉ ከተማታት ይሳቐዩ ንዘለዉ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኣለምዋጭ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዳባት/ጎንደር ዝርከብ ሓድሽ መደበር ዝሓልፍዎ ዘለዉ ህይወት ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ ተረዲኡ። ብዘይካዚ ኣብ ከተማታት ሱዳን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ብናይ ሱዳን ናይ ጸጥታ ሓይልታት እናተኣስሩ ልዕሊ ዓቕሞም ገንዘብ ንክኸፍሉ ይገደዱ ምህላዎም ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ ተረዲኡ። በዚ መሰረት ኣኼባ መንግስታት ናይተን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቖብለን ሃገራትን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ትካላትን ንጉዳይ’ዞም ኣብ ስቓይ ኮይኖም ኣውያቶም ዘስምዑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግቡእ ቆላሕታ ክገብርሉ ጻዋዒት ኣቕሪቡ።

4)  ፈስቲቫላት ህግደፍ

ኣኼባ ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣንጻር ኩሉ ምንቅስቓሳት ህግድፍ፡ ብፍላይ ከኣ ኣንጻርቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝእክበሉን ናይ ጽልኢ ጐስጓሳት ዝነዝሓሉን ፈስቲቫላት ንምፍሻል ዝተኻየደ ቃልሲ ንኢዱ። በዚ መሰረት ነቶም ፈስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ሽወደንን ዳላስን ከምቲ ዝተመደቦ ከምዘይከይድ፡ ኣብ ሆላንድ ከኣ ከም ዝስረዝ ዝጸዓቱ  ኤርትራውያን ኣመጒሱን ቃልሶም ከሕይሉ ኣተባቢዑን።

ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ፡ 6.1.15፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት ዝመርሕ 9 ዝኣባላቱ ፈጻሚት ሽማግለን ተቖጻጻሪ ገንዘብን ንብረትን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ።

ኣብ መዛዘሚ ኣኼኡ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ፡ ከበርክትዎ ንዝጸንሑ ንዋታውን ንያታውን ኣበርክቶ ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ብሓፈሻ ንምዕዋት መትከላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ብፍላይ ከኣ ንምዕዋት መጻኢ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።  ህዝቢ ኤርትራ እውን ነቲ ንሓርነቱን ሰላሙን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብዝተዓጻጸፈ ከይተሓለለ ብናህሪ ክቕጽሎ  ተማሕጺኑ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

20 ነሓሰ 2022

Last modified on Monday, 22 August 2022 00:20