Print this page

ሱዳን ልኡኽ ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከይሰግር ከልኪላ

2022-08-06 17:16:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 988 times
Rate this item
(0 votes)

ሰብ መዚ ሱዳን፡ ብ5 ነሃሰ 2022 ፖለቲካዊ መራሕትን ዓበይቲ ዓድን ምብራቕ ሱዳን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ናብ ጐረቤት ሃገር  ኤርትራ ክሰግር እንከሎ ከም ዝኸልከልዎ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

እቶም ናብ ኤርትራ ከይከዱ ዝተኸልከሉ ኣባላት ናይቲ ልኡኽ፡ ኣብቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምውሎ እሞ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘሎ ንጸጥታ እቲ ከባቢ ብኣሉታ ዝጸልዎ ቀቢላዊ  ቅልውላዋት ዝምልከት ንምዝርራብ ዝተወጠነ ርክብ ንምስታፍ ዝተጸውዑ እዮም። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ስምምዕ ሰላም ጁባ ዝፈረሙን ኣባላት ግንባር ሰውራ ሱዳንን ግና ኣይዓደሞምን።

ኣብቲ ናብ ኤርትራ ዘስግር ላፋ ዝተባህለ መቆጻጸሪ ዶብ ምምሕዳር ከሰላ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዘቕንዑ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ልኡኽ፡ ንክሓልፉ ዘፍቅድ ዕላዊ መምርሒ ከምዘይበጸሖም ሓቢሮም። እዞም ብመሬት ናብ ኤርትራ ዝተበገሱ 112 ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ ፓስፖርቶም መሕለፊ ቪዛ ከምዘይነበሮም እውን ካብቲ ዜና ተፈሊጡ።

እቲ ናብ ኤርትራ ክሰግር እንከሎ ኣብ ዶብ ዝተኸልከለ ልኡኽ፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ቀቢልን ዓበይቲ ዓድን ዝርከብዎ እዩ።  ካብ ኣባላት እቲ ልኡኽ፡ መሓመድ ኣልኣሚን ተሪክ ቅድሚ ኣብ ሱዳን ብ2021 ዕልዋ መንግስቲ ምፍጻሙ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝመርሕ ዝነበረ መራሒ ቀቢላ ሃደንደዋ ሓደ እዩ። ብዘይካኡ ኣብቲ ዝወደቐ መንግስቲ ሱዳን ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ውዕል ሰላም 2006 ዝኸተመ መራሒ ግንባር ምብራቕ ሱዳን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ፡ መራሒ መኒዓምር ዓሊ መሓመድ ዳኪልን ኣብ ስምምዕ ጁባ ዘይፈረመ መራሒ  ህዝባዊ ግንባር  ንናጽነትን ፍትሕን ኣልኣሚን ዳውድን እውን ከም ዝርከብዎ  ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ሱዳን ኣል ኣኽባር ዝተባህለት ማዕከን እውን ነቲ ፍጻመ ኣረጋጊጻቶ።

ምምሕዳር  ህግደፍ ዶብ ሰጊሩ ኢድ ብምእታው፡ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃደንደዋን ብኒዓምርን  ዘሎ ፍልልያት በብግዜኡ ብምብላሕ፡ ኣብ ምምሕዳራት ቀይሕ ባሕርን ከሰላን ምብራቕ ሱዳን  ህውከት ብምግዳድ፡ ናይታ ሃገር ሰላም  ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Saturday, 06 August 2022 19:20