Print this page

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፡ ንኤርትራውያን  ዝምልከት ምሕጽንታ ሕቡራትሃገራት ደጊፉ

2022-07-25 11:55:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 752 times
Rate this item
(0 votes)

CPJ on eritrea 1

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ፡ ምስ ካለኦት ሸውዓተ ማሕበራት ኮይና፡ ኣካልቲ ጉዳይ  ዳዊት ኢሳቕን ካለኦት 15 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ዝከታተልን ጃምላዊ ማእሰርቲ ዝቃወምን ማእከል ሕቡራት ሃገራትን ጠበቓታትን ከም ዝኾነት ብ21 ሓምለ ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።  

እቲ CPJ እትርከቦ ጋንታ፡ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም፡ ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ  ብጃማላ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ-ኩነት ንክፍትሑ፡ ወይ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ዝተፈልይዎም ቤተሰቦምን  ጠበቓታትን ክራኸቡን ጸዊዑ። እዚ ናይ  ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት በዚ ኣገባብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ፡ ብደረጃ ዓለም ዝነወሐ ግዜ ምዃኑ እውን እቲ ኮሚተ በዚ ስምዕታኡ ሓቢሩ።

መሓመድ ኣብደልሰላም ባብከር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ንኩነታት እቶም ብ2000 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ፡  ንኹሎም እቶም ንመንግስቲ ሰለ ዝነቐፉ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝውከል እዩ” ከም ዝበሉ እቲ መግለጺ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣተሓባባሪት ናይቲ ኮሚተ ፕሮግራም ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጌላ ኩይንታል፡ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን ብጾቱን ኣብ ዝምልከት ብዝኾነ ፍትሓዊ መንገዲ ድፍኢት ምግባር ክንቅጽሎ ኢና ኢለን። ካብተን ምስ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኮይነን መግለጺ ዘውጸጋ ማሕበራት ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ኣህጉራዊ ኣባላት ፓርላማ ንተግባርን ፔን ኢንተርናሽናልን ይርከብአን።

ኣብዚ እዋንዚ ዝጸንዐ ምቁጽጻር ሓበሬታ (Censore)፡ ዘዘውትራ ዓሰርተ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቱርኩሚስታን፡ ሳዑዲ ዓራቢያ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ኢራንን ኢኳቶርያል ጊኒን እየን ምዃነን ምስቲ መግለጺ ተተሓሒዙ ወጺኡ።

Last modified on Monday, 25 July 2022 14:01