Print this page

እስራኤል፡ ኣብ ኤርትራ  ኤምባሲኣ ዓጽያ

2022-07-25 11:42:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 769 times
Rate this item
(0 votes)

Eritrea Israel 1ቀዳማይ ሚኒስተርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን እስራኤል፡ ላይር ላፒድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኤምባሲ ሃገሮም ዓጽዮም ናይቲ ኤምባሲ ሰራሕተኛታት ከም ዘፋነዉ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝሓበሩ መርበብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/ Eritrea Hub / ፍሊጣ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ”ህዉኽን ናይ ሕርቃንን ይመስል” ዝተባህለ ስጉምቲ ክወስዱ ዝደረኾም ኤርትራ ንምቕባል ዝተመዙ እስራኤላዊ ኣንበሳደር ንምቕባል ዝያዳ ክልተ ዓመታት ስለ ዘደንጐየቶ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

 እቲ ጉዳይ ብዙሓት ሕቶታትን ግምታትን ዘኸትልኳ እንተኾነ፡ ኣብ ግምታዊ ሓሳብ ከይኣተኻ ዝለዓሉ ነጥብታት ከም ዘለዉ እቲ ዜና ይጠቅስ። መንግስቲ እስራኤል ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 እዩ ናብ ኤርትራ ኣንበሳደር መዚዙ። ድሕሪ ምምዛዙ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ንሓለፍቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ፡ ኣፍልጦ ክህብዎም እሞ እቶም ኣንበሳደር ናብ ኣስመራ ተጓዒዞም ዝረሖም ክጅምሩ ሓቲቱ።  ድሕሪ እዚ ሓለፍቲ ኤርትራ ንመዝነት ናይቶም ኣንበሳድር ኣየጽደቑን ናይ ዘይመጽዳቖም ምኽንያ’ውን ኣየብርሁን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቶም ኣንበሳድር እስራኤል ናብ ኤርትራ ከይዶም ስረሖም ምጅማር ከም ዘይከኣሉ እቲ ዜና ጠቒሱ። ንተግባራት ሓለፍቲ ኤርትራ ድማ ብመንጽር ዲፕሎማስያዊ ቀጥዒ  ዝይቅቡል ኢልዎ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ኤርትራ ናይ ዘይምቕባል መሰል ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ እቲ ዘይልሙድ ናይ ዘይምቕባላ ብቑዕ መብርሂ ከተቕርብ ዘይምኽኣላ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ንሰሙናት ዝኣክል ዘጋጥም  ምድንጓይ ኮይኑ፡ እስራኤል ግና ንክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ እዋን  ስለምንታይ ከም ዝተዓገሰቶ? ብዝብል  እቲ ዜና ይሓትት።

ብዘካይዚ፡ ዝምድና ሃገራት ኣብ መትከል ናይ ሓባር ረብሓ ዝምስረት ኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ኣብ ሃገራ ግቡእ ንጥፈታቱ እናካየደ እንከሎ፡ ንሳ ግና ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ወኪል ኣብ ዘይብላ ናይ እስራኤል ረብሓ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዝብል ተወሳኺ ሕቶ እውን እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

Last modified on Monday, 25 July 2022 13:52