Print this page

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዳግመ-ህንጸት ትግራይ ዝምልከት ስምምዕ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተፈራሪሙ

2022-07-13 10:25:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 719 times
Rate this item
(0 votes)

መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታትን ንዳመ-ህንጻ ዝዓነወ ትሕተ ቅርጻ ትግራይ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝተፈራረሙ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን። በቲ ነዚ ስምምዕ ኣመልኪቱ  ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፡ ብሰንኪ  ውግእ ኣብ ትግራይ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጻን ትካላትን እንደጋና ንምህናጽን ንምሕዋይን፡ ወጻኢኡ ብባንኪ ዓለም ዝከኣል ኰይኑ፡ ብሳልሳይ ኣካል ዝትግበር ፕሮጀክት ከምዝኸውን ተፈሊጡ። ነዚ መደብ ክተግብር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተስማሚዑ ዘሎ ሳልሳይ ኣካል፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክትታት  ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNOPS]  ምዃኑ ድማ  ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እቲ መደብ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለዉ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበርዎ ንምምላስ  ዘኽእል ክኸውን እንከሎ፡  ምስ ህዝቢ  ክልል ትግራይ ብምምኽኻር ዝትግበር’ ከምዝዀነ ነቲ መግለጺ ዝጠቐሱ ዜናታት ሓቢሮም። እዚ ኣብ ትግራይ ብሳልሳይ ኣካል ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ዳግመ-ህንጻ፡ ኣካል እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውግእ ዝዓነዉ ትካላት ናብ ንቡር ንምምልሳስን ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝን ዝተታሕዘ መደብ እዩ። እቲ ንህንጸት ዝወሃብ ገንዘብ፡ ባንክ ዓለም ኣቐዲሙ  ንኢትዮጵያ ንዳግመ ህንጻ ንክውዕል ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ 300 ሚልዮን ዶላር እዩ።

ድሕርቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልል ትግራይ ውግእ ምጅማሩ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ወዲቓ ኩሉ ኣገልግሎታት ተቛሪጽዋ ዘላ እያ። ቅድሚ ዝተወነ ኣዋርሕ ስብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ዘኽእል፡ ብግዝያውነት ተኹሲ ጠጠው  ምባሉ ተኸቲሉ፡ ናብ ትግራይ ክኣትው ጀሚሩ ዘሎ ሓገዝ  ምስ ስፍሓት እቲ ጸገምን  ሕጽረት ነዳድን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ብዝምልከት ዝሃቦ መላሽ ዘይተፈልጠ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ምንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ ኣብ ዘይተዓወተሉ፡ እዚ ናይ ህንጸት ፕሮጀክት ክትግበር ዘለዎ ዕድል ዝጸበበ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት እዩ።

Last modified on Wednesday, 13 July 2022 12:29